ኣፍሪቃ ኣብ ፍኖት ቍጠባዊ ሓርነት ድያ ትስጕም ዘላ?

ዳንጎቶ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ዊልያም ሩቶ፡ ፕረዚደንት ናጀርያ ኣባሳንጆን ካልኦት መራሕትን
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ሓድሽ መጻረዪ ወርቂ ክሳብ'ቲ ኣብ ኬንያ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ሓያሎ ቢልዮናት ዶላር መጻረዪ ነዳዲ፡ እናሰሰና ዝመጽኣ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ባህርያዊ ጸጋታተን ብጥረኡ ናብ ወጻኢ ካብ ምልኣኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ብምምስራሕ ዝያዳ ረብሓ ክረኽባ ይጽዕራ ኣለዋ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ኣብ ምሉእ እታ ኣህጉር ውሽጣዊ ኢንዱስትሪታት ንምሕያልን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ነቲ ኣፍሪቃ ኣብቲ ካብ ጸጋታታ ዝተሰርሐ ናይ ወጻኢ ፍርያት ዘለዋ ጽግዕተኛነት ንምንካይ ዝግበር ጻዕሪ ዘመላኽት እዩ።

ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ዝውድእ መጻረዪ ወርቂ ይህነጽ ኣሎ። እዚ ትካል'ዚ፡ እታ ሃገር ወርቃ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከተጻርን ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ፍርያት ናብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ከተቕርብን ከም ዘኽእላ ትጽቢት ይግበር።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎተ ብምትሕብባር ፋብሪካ ድዅዒ ይሃንጽ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ምጓዓዝ ነዳዲ ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ልዕሊ 660 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ፕሮጀክት ሻምብቆ ነዳዲ ምህናጽ ጀሚሩ ይርከብ።

ኬንያ ብወገና፡ ኣስታት 16 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ዓቢ ፕሮጀክት መጻረዪ ነዳዲ ትሃንጽ ኣላ። እዚ ፕሮጀክት'ዚ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፋላማይ ምዃኑ እዩ።

እዞም ኵሎም ፕሮጀክትታት ብሓባር ክረኣዩ ከለዉ፡ መንግስታትን ሰብ-ሃብትን ኣፍሪቃ፡ ጸጋታቶም ካብ ምውጻእ ሓሊፎም፡ ስትራተጅያዊ ብዝዀነ መንገዲ ኣብ ምምዕራይ፡ ምፍራይን ኢንዱስትርያዊ ምዕባለን ብዝያዳ የተኵሩ ከም ዘለዉ የመላኽቱ።

"ኣፍሪቃ ናይ ባዕላ መጻኢ ክትሃንጽ ኣለዋ"

ኣሊኮ ዳንጎተ፡ ሓደ ካብቶም ነዚ ራእይ'ዚ ብዕቱብ ዘሰጕሙ ዘለዉ ፍሉጣት መራሕቲ ትካላት ንግዲ እዩ።

ዳንጎተ፡ "ኣብ ካልኦት ንውከል እንተ ዓባይ ኣፍሪቃ ክንሃንጽ ኣይንኽእልን ኢና፡" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሲኹ ድማ፡ "ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ዝዀነ ይዅን ኣካል፡ መጺኡ ዓባይ ኣፍሪቃ ክሃንጸልና ኣይክእልን። ነዚ ክንገብሮ እንኽእል ንሕና ኣፍሪቃውያን ጥራይ ኢና፡" ኢሉ።

ኣብ ስሚንቶ፡ ጸዓት፡ ድዅዕን ሎጂስቲክስን ሰፊሕ ወፍሪ ዘለዎ ዳንጎተ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሓያሎ ካብቶም ብደረጃ ኣህጉር ዓበይቲ ዝበሃሉ ኢንዱስትርያዊ ፕሮጀክትታት ተዋፊሩ ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፋብሪካ ድዅዒ የውፍር፡ ከምኡ'ውን ካብ ጅቡቲ ናብታ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ከተማ ዳወለ ዘራኽብ ሻምብቆ ነዳዲ ኣብ ምህናጽ ይሳተፍ ኣሎ። ኣብ ኬንያ ድማ ነቲ ጽላት ጸዓት ናይቲ ዞባ ሓድሽ መልክዕ ከትሕዞ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕሮጀክት መጻረዪ ነዳዲ ይድግፍ ኣሎ።

ብኣረኣእያ ዳንጎተ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥረ-ነገር ናብ ወጻኢ ሰዲደን ድሉው ፍርያት ካብ ምምጻእ፡ ጸጋታተን ኣብ ውሽጢ ሃገረን ከመስርሓ ይግባእ። ንሱ፡ "ኣፍሪቃ ተቢዓ ኣብ ናይ ባዕላ ቍጠባዊ ምዕባለ እትዓየሉ ግዜ ሕጂ እዩ፡" ይብል።

ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ቀይዲ ምንቅስቓስ ሰባት፡ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን፡ ነቲ ቍጠባዊ ዕብየት ይዓናቕፎ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ስምምዕ ዞባ ናጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ነዚ ብዳሆ ክፈትሖ ተስፋ እገብር፡" ይብል።

ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ እዚ ተወሳኺ ክብርታት ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ብሃንደበት ዘይኰነስ፡ ብነዊሕ ከይዲ ዝመጽአ እዩ።

ኣብ ኮምሽን ቍጠባ ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ጉዳያት ቍጠባን ክኢላ ፖሊሲ ማዕድንን ዝዀነት ዶክተር ማሪት ኪታው፡ እዚ ለውጢ እዚ ምስቲ ኣብ 2009 ዝተበገሰ 'ራእይ ዕደና ኣፍሪቃ' ዝተኣሳሰር ምዃኑ ትገልጽ።

እቲ ተበግሶ ንሓደ ሕዱር ጸገም ንምፍታሕ ዝዓለመ ነይሩ። ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘለወን ሃብቲ ማዕድን ደኣ ይፍለጣ`ምበር፡ ጥረ-ነገራት ብምልኣኽ ዝረኽበኦ ቍጠባዊ ረብሓ ኣዝዩ ድሩት እዩ ነይሩ።

ከም ኣበሃህላ ዶክተር ማሪት፡ እቲ ካብ ዕደና ዝርከብ ኣታዊ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰፊሕ ኢንዱስትርያዊ ዕብየት ከምጽእ ወይ ድማ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሽ ኣይክእልን እዩ ነይሩ።

ኣማኻሪ ጸዓት ምወንድያ ኒያጋ ብወገኑ፡ ጸቕጢ ብዝሒ ህዝቢ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ደራኺ ምኽንያት ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሚልዮናት መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ናብ ዕዳጋ ስራሕ ስለ ዝጽምበሩ፡ መንግስታት ዕድላት ዕዮ ክፈጥሩን ቍጠባዊ ተስፋታት ከስፍሑን እናወሰኸ ዝኸይድ ጸቕጢ የጋጥሞም ኣሎ።

"ንነዊሕ ዓመታት፡ ማዕቢለን ዝርከባ ሃገራት ጥረ-ነገር ይልእኻን ካብቲ ጸጋታት ንዝተሰርሐ ድሉው ፍርያት ድማ ካብ ወጻኢ የምጽኣን ነይረን፡" ይብል ኒያጋ።

"ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣቕሑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝፈርዩ ኣቕሑ ናይ ምትካእ ሓሳብ ብሰፊሑ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ሕጂ ንርእዮ ዘለና ለውጥታት ፖሊሲ ግን ነዚ ኣካይዳ ክቕይሮ ይኽእል እዩ።"

ፕሮጀክት መጻረዪ ነዳዲ ላሙ ብዙሓት ማሽነሪታት ይርኣያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ሓደ ካልኣዩን እናተዓዘቡ
መግለጺ ስእሊ, ፕሮጀክት መጻረዪ ነዳዲ ላሙ፡ ድሕሪ ናጽነት ኬንያ ዝተረኣየ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት እዩ

ካብ ሰደድ ወርቂ ናብ ምጽራይ ወርቂ

ኣፍሪቃ ኣብ ሰንሰለት ከይዲ ምምዕርራይ ፍርያት (value chain) ንኽትድይብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ወርቂ ሓደ ካብቲ ዝነጸረ ኣብነታት ኰይኑ ኣሎ።

ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ጋናን ክሳብ ኡጋንዳ፡ ቡርኪና ፋሶን ኢትዮጵያን ዝርከባ ሓያሎ ሃገራት፡ ወርቂ ንምጽራይ ናብ ወጻኢ ካብ ምልኣኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ይሃንጻ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን'ዚ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ መጻረዪ ወርቂ ኣለወን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ትካል መጻረዪ 'ራንድ'፡ ኣብታ ኣህጉር እቲ ዝዓበየን ድልዱል መሰረት ዘለዎን ኰይኑ፡ ኣብ 1920 ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣስታት ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ወርቂ ኣጻርዩ እዩ።

ኢትዮጵያ ድማ ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዛ ናብዚ መስርዕ ተጸምቢራ ኣላ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ቦሌ ለሚ ዝተደኰነ 'ብሄራዊ መጻረዪ ክቡራት ማዕድናት'፡ ነቲ ወርቂ ንውሽጣዊ ኰነ ንኣህጉራዊ ዕዳጋታት ከጻርዮ ትጽቢት ይግበረሉ። ሰበ-ስልጣን ከም ዝብልዎ፡ እቲ ትካል ብምሉእ ዓቕሙ ምስ ዝሰርሕ ኣብ ዓመት ክሳብ 600 ቶን ወርቂ ከጻሪ ይኽእል እዩ።

ዶክተር ማሪት፡ እቲ ረብሓ ካብ ሰደድ ዝርከብ ኣታዊ ጥራይ ከም ዘይኰነ ትገልጽ። ንሳ፡ "እዚ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥር፡ ውሽጣዊ ክእለታት ንምህናጽ ይሕግዝ፡ ከምኡ'ውን ምስግጋር ቴክኖሎጂ የቀላጥፍ፡" ትብል።

ይዅን`ምበር፡ ማዕድናት ምጽራይ ጥራይ ኣብ ቍጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ከም ዘይክእል ክኢላታት የጠንቅቑ። ዕዉት ቍጠባ ንምህናጽ፡ ኣብ ዙርያ ባህርያዊ ጸጋታት ምሉእ ኢንዱስትርያዊ ሃዋህው ምህናጽ የድሊ።

ዶክተር ማሪት ንዕቋር ፎስፈየት ኢትዮጵያ ከም ሓደ ኣብነት ተቕርብ። ኢትዮጵያ ፎስፈየት ብጥረኡ ናብ ወጻኢ ኣብ ክንዲ ምልኣኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድዅዒ ንምፍራይ እንተ ተጠቒማትሉ፡ ነቲ ኣብ ናይ ወጻኢ ፍርያት ዘለዋ ጽግዕተኛነት ብምንካይ ዝለዓለ ቍጠባዊ ረብሓ ክትረክብ ከም እትኽእል ትገልጽ።

ኢትዮጵያ ምስ ጕጅለ ዳንጎተ ብምትሕብባር ኣብ ክልል ሶማል መፍረ ድዅዒ ንምህናጽ መደባት ጀሚራ ኣላ። ንነዊሕ ግዜ ኣብ ናይ ወጻኢ ድዅዒ ንዝተመርኰሰት ሃገር፡ እዚ ፕሮጀክት'ዚ ባህርያዊ ጸጋታታ ምስ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ንምትእስሳር ዝግበር ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ።

ክኢላ ቍጠባ ማሪድ ቱሉ፡ ውሕስነት መግቢ፡ ምምዕባል ጸዓትን ኢንዱስትርያዊ ምዕባለን ብዝያዳ እናተኣሳሰሩ ይመጽኡ ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ኣፍሪቃ ምህርቲ ጸዓትን መርበባት ትሕተ-ቕርጽን እናኣስፈሐት ምስ ትኸይድ፡ ሃገራት ጸጋታተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከጻርያን ዝለዓለ ተወሳኺ ክብርታት ዘለዎም ኢንዱስትሪታት ክፈጥራን ዝበለጸ ዕድል ክህልወን እዩ ይብል።

ዞባዊ ምትእስሳር ስለምንታይ ኣገዳሲ ይኸውን?

ኣብይ ኣሕመድ፡ መጻረዪ ወርቂ ኢትዮጵያ እናተዓዘበ

ሓያሎ ክኢላታት፡ እቲ ጻዕርታት ኢንዱስትርያዊ ምዕባለ ክዕወት ዝኽእል፡ ሃገራት ተመሳሳሊ ትካላት ንምህናጽ ካብ ዝወዳደራ፡ ብሓባር እንተ ሰሪሐን ጥራይ ምዃኑ ይኣምኑ።

ዶክተር ማሪት፡ ዞባዊ ዕዳጋታት ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ተረድእ።

ንሳ፡ "ኢትዮጵያ መጻረዪ ወርቂ እንተ'ልይዋ፡ ስለምንታይ ታንዛንያ ካብ ባዶ ደረጃ ካልእ ክትሃንጽ የድልያ?" ክትብል ትሓትት።

ወሲኻ ድማ፡ "ኣብ ክንድኡስ ነቲ ወርቂ ክጻረ ናብ ኢትዮጵያ ክትልእኮ ትኽእል እያ። ዕዳጋታት ንምርካብ፡ ትሕተ-ቕርጺ ንምክፋልን ሰብ-ሃብቲ ንምስሓብን ክንሰርሕ ኣለና፡" ትብል።

ኣብነታት ናይዚ ምትሕብባር ሕጂ'ውን ይረአ ኣሎ።

'ኮሪዶር ሎቢቶ' ንኣንጎላ፡ ዛምብያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ብመንገዲ ባቡርን ወደብን ብምርኻብ ምንቅስቓስ ማዕድናትን ካልኦት ኣቕሑን የሳልጥ ኣሎ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብመንገዲ ሓደ ካብቲ ኣብታ ኣህጉር ዓበይቲ ዞባዊ ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቕርጺ ዝዀነ 'ኮሪዶር ላፕሰት' ይተሓባበራ ኣለዋ።

ደገፍቲ ናይዚ ፕሮጀክትታት፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ወጻኢታት መጓዓዝያ ክንክዩ፡ ተበጻሕነት ዕዳጋ ከመሓይሹን ቍጠባዊ ምትእስሳር ከደልድሉን ይኽእሉ እዮም ይብሉ።

እዚ ጕዕዞ'ዚ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ኢንዱስትርያዊ ትምኒት ገና ዓበይቲ ብድሆታት ከም ዘለዎ ክኢላታት የጠንቅቑ።

ጸገም ትሕተ-ቅርጺ፡ ቍጠባዊ ዓቕሚ፡ ሕጽረት ጸዓትን ንግዲ ዝዕንቅፉ ኵነታትን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንኢንዱስትርያዊ ምዕባለ ይዕንቅፉ ኣለዉ።

"ኣብዚ ሱር ዝሰደደ ታሪኻዊ ብዳሆ ኣሎ፡" ይብል ኒያጋ። "እቲ ዝጸንሐ ተመኵሮ፡ ጥረ-ነገራት ናብ ወጻኢ ምልኣኽን ካብቲ ጥረ-ነገር ዝተሰርሑ ድሉዋት ፍርያት ብዝለዓለ ዋጋ ምምጻእን እዩ ነይሩ።"

ነዚ ኣካይዳ'ዚ ምቕያር ግዜ ዝወስድ ምዃኑ ድማ የረድእ።

ኣብ ጐድኒ'ዚ ግን፡ እቲ ቅልጡፍ ዕብየት ዘለዎ ብዝሒ ህዝብን መንእሰያትን ኣፍሪቃ፡ ንኢንዱስትርያዊ ዕብየት ድልዱል መሰረት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኒያጋ ብተወሳኺ፡ "እቲ ዝዓበየ ዕድልና ህዝብና እዩ። ኣፍረይቲ፡ ብቕልጡፍ ዝዓብዩ ቍጠባታት፡ ከምኡ'ውን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣለዉና። ካብዚ ንላዕሊ ካልእ ዕድል የሎን፡" ይብል።

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ሓያሎ ቍጠባታት ሃገራት ኣፍሪቃ ጥረ-ነገር ብምልኣኽን ዝለዓለ ክብርታት ዘለዎም ናይ ኢንዱስትሪ ፍርያት ብምእታውን እዮም ክምረሑ ጸኒሖም። ሎሚ ግን፡ መንግስታት፡ ሰብ-ሃብትን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ነዚ ኣካይዳ'ዚ ብዕቱብ ክቕይርዎ ይጽዕሩ ኣለዉ።

እዚ ጕዕዞ'ዚ ዝዕወት ድማ ኣብ ወፍሪ፡ ትሕተ-ቕርጺ፡ ዞባዊ ምትሕብባርን ውጽኢታዊ ኣተገባብራን ዝምርኰስ ክኸውን እዩ።