ደብዳብ ድሮን መዕቈቢ ተመዛበልቲ ኣምሓራን ዘይተመለሱ ሕቶታትን

ቴንዳ እናተቓጸለ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብ ዝርከብ "ጃሪ ቍጽሪ 2" መዕቈቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ህጻናትን ነፍሰ-ጾራትን ዝርከቡዎም እንተ ወሓደ 18 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 30 ድማ ከም ዝቘሰሉን ነበርትን ናይ ሆስፒታል ምንጭታትን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ወኪል ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ካብቶም ናይ ምድሓን ዕማማት ዘካይዱ ዝነበሩ ወገናት ብምጥቃስ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 15 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጺቡ።

እዚ ካብ ከባቢታት ወለጋ ክልል ኦሮምያ ብሰንኪ ዝነበረ ግጭት ዝተመዛበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዘጽለልሉ መዕቈቢ፡ ኣብ ወረዳ ተሁለደሬ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብመሰረት ሮይተርስ ልዕሊ 1,700 ተመዛበልቲ ዝነብርሉ እዩ።

እቲ ደማዊ መጥቃዕቲ ሓሙስ 29 ጥቅምቲ 2026፡ ቅድሚ-ቐትሪ ሰዓት 11:00 ኣቢሉ እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት መንግስትን ወጥሪ ዘለዎ እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ዕለት ግን ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ዓይነት ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዘይነበረ ናይቲ መዕቈቢ ነበርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ተኸታታሊ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ድንኳናት ቴንዳ

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ 15ን 20ን ደቓይቕ ፍልልይ ተኸታቲሉ እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ግዜ ከም ዝተፈጸመ ዝገለጹ ተመዛበልቲ፡ እቲ ድሮን ነቶም ካብ ቴንዳ ዝተሰርሑ ድንኳናት ዒላማ ብምግባር ከም ዝወደቐ የረድኡ።

ሓደ በቲ መጥቃዕቲ ቤተሰቡ ዝሰኣነ ነባሪ፡ "ሓሙሽተ ድሮን ተወርዊሩ። ሓሙሽተኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ መጽለሊ ቴንዳ ዓሪፉ፤ እቲ ገዛ ተቓጺሉ፡ ሰባት'ውን ተቓጺሎም ሞይቶም፡" ክብል እንከሎ፡ ንሮይተርስ ቃል ዝሃበ ካልእ ወገን ድማ እታ ድሮን ረቡዕ ኣብ ልዕሊ'ቲ መዕቈቢ እናዘረት ድሕሪ ምውዓል ሓሙስ ተመሊሳ ብምውቃዕ፡ "ኣካላት ሰባት ኣብ ኵሉ ፋሕ ኢሉ ነይሩ፡ ቍራጽ ኣካላቶም ኣኪብና ኢና ቀቢርናዮም፡" ኢሉ።

በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ እቶም 16 ኣብቲ ቦታ ብኡንብኡ ህይወቶም ክሓልፍ እንከሎ፡ ክልተ ድማ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጻሖም እዮም ሞይቶም።

ካብቶም ግዳያት ሰለስተ ነፍሰ-ጾራት፡ ሰለስተ ተመሃሮን ዓበይቲ ዓድን ከም ዝርከብዎም ዝጠቐሰ ሓደ ተመዛባሊ፡ ካብተን ዝሞታ ነፍሰ-ጾራት እታ ሓንቲ ምስ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓኣ ብሓባር ከም ዝተቐትለት ብሓዘን ኣዘንትዩ።

ካብ ሃይቅ ናብ ደሴ፡ ኵነታት እቶም ብኸቢድ ዝቘሰሉ

በቲ መጥቃዕቲ መጕዳእቲ ዝወረዶም ሸሞንተ ህጻናትን 10 ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም 36 ሰባት፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 2:00 ኣቢሉ ናብቲ ኣብ 17 ኪሎሜተር ርሕቀት ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ሃይቅ ተወሲዶም።

ናይቲ ሆስፒታል ምንጪ ንቢቢሲ ከም ዘረድኦ፡ ካብቶም ዝመጽኡ ሰባት ከቢድ ናይ ደም ምፍሳስ፡ ናይ ርእሲ ማህሰይትን ስብራት ዓጽምን ዘጋጠሞም 12 ጕድኣት ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሓፈሻዊ መወከሲ ሆስፒታል ደሴ ተላኢኾም ኣለዉ።

ካልኦት 11 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ሃይቅ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎን ቀሊል መጕዳእቲ ዝነበሮም ድማ ድሕሪ ሕክምና ከም ዝተፋነዉን ተገሊጹ።

UNHCR ዝብል ጽሑፍን ሎጎ ናይቲ ትካልን ዘለዎ ቴንዳታት ቈልዑ ዝርከቡዎም ሰባት ድማ እናተንቀሳቐሱ ይርኣዩ

ኣብ ሓደ ጋህሲ ዝተፈጸመ ቀብርን ዳግማይ ምምዝባልን

ኣብቲ ቦታ ህይወቶም ዝሓለፈ 16 ሰባት፡ እቲ ሬሳታት ኣብ ሜዳ ሓዲሩ ከይበላሾ ብምስጋእ፡ ብሓባር ኣብ ሓደ ጋህሲ ቴንዳ ተጠቕሊሎም ስነ-ስርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ።

ሓደ ነባሪ ነቲ ዘስካሕክሕ ህሞት ክገልጽ እንከሎ፡ "ካብቲ መዕቈቢ ናብ ወጻኢ ምውጻእ ስለ ዘይከኣል፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ፋሕ ኢሉ ስለ ዝወደቐ ብቴንዳ ጠቕሊልና ኢና ቀቢርናዮም፡" ኢሉ።

ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሓያሎ ተመዛበልቲ ነቲ መዕቈቢ ገዲፎም ዝሃደሙ ኰይኖም፡ ገሊኦም ናብ ከተማ ሃይቅ ብምህዳም ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተዓቘቦም ከም ዝርከቡ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዘይተመለሱ ሕቶታትን ስቕታ ሰበ-ስልጣንን

ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ሰራዊት ምክልኻል ኮሎነል ቢረሳው ሽፈራውን ናብ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ዓሊ መኮንንን ዘቕረቦ ሕቶታት ክሳዕ ሕጂ ምላሽ ኣይረኸበን።

ብተመሳሳሊ፡ ሮይተርስ ካብ ወሃቢ-ቓል ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ'ውን ኣይሰመረን፤ ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዘካይዶም ግጭታት ሰብ-ኣልቦ ድሮናት ብሰፊሑ ዝጥቀም ኰይኑ፡ ሰላማውያን ዜጋታት ግዳይ ይዀኑ ኣለዉ ንዝብል ክስታት ግን ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።