ኣብ ሞያሌ ብዝተወልዐ ግጭት፡ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ሃዲሞም

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ሞያሌ ካብ ዝተወልዐ ግጭት ሃዲሞም ናብ ኬንያ ዝሰገሩ ሰባት ብግምት 36 ሽሕ ከም ዝበፅሑ ትካል ዩኤንኤችሲኣር ኬንያ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ህይወቶም ንምድሓን ናብ ኬንያ ዝሰገሩ ሰባት ዝበዝሑ ደቂኣንስትዮ፣ ህፃናትን ከም ዝኾኑ እቲ ትካል ገሊፁ።

ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ ግጭት ተወሊዑ። እቲ ግጭት ድማ ሓደ ሰሙን ኣቑፂሩ ቀፂሉ ኣሎ።

ካብ ብሓሙስ ጀሚሩ "ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሰነየ" ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝቐፀለ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ዩኤንኤችሲኣር ኬንያ፡ ካብቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ዝሃደሙ ሰባት፡ ገሊኦም ምስ ኣባላት ስድርኦም ወይ ንዕኦም ተቐቢሎም ምስ ዘተኣናግድዎም ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ይቕመጡ ከም ዘለዉን፡ ካልኦት ድማ ግዝያዊ ቦታታት መፅለሊ ከም ዝደለዩን ሓቢሩ።

እቶም ተመዛበልቲ ብህፁፅ ምግቢ፣ውሑስ ዝስተ ማይ፣ መፅለሊ፣ ኣገልግሎታት ፅሬትን ክንክን ጥዕናን ከም ዘድልዮም ኣፍሊጡ።

ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር)፣ ትካል ዓለምለኸ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኬንያ (ኣይኦኤም)፣ ፈንድ ንህፃናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ ከምኡ'ውን ትካል ምግቢ ዓለም ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያን ካልኦት መዳርግቲን ብምትሕብባር፡ ብመንግስቲ ኬንያ ብሃገራውን ከባብያውን ደረጃ ንዝካየድ ምላሽ ንምድጋፍ ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ።

እቶም ድሕነት ደልዮም ካብ ከባቢኦም ሃዲሞም ዝመፅኡ ሰባት ብህፁፅ ዘድልዮም ነገራት ንምልላይን እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ንምሃብን ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝሓበረ ዩኤንኤችሲኣር፡ ብተመሳሳሊ ነዞም ተመዛበልቲ ይቕበሉ ንዘለዉ ማሕበረሰባት'ውን ይድግፉ ከም ዘለዉ ገሊፁ።

በቲ ዝተወልዐ ጎንፂ መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሓዊሱ ብዙሓት ንብረታት ከም ዝተቓፀሉ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊፆም እዮም።

ቢቢሲ ብዓርቢ ዘዛረቦ ሓደ ነባሪ፡ ኣብቲ ዕለት ጥራሕ፡ ዕጡቓትን ሰላማውያን ሰባትን ዝርከቡዎም፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ ነይሩ።

ቢቢሲ ነዚ ቁፅሪ ብካልኦት ነፃ ምንጭታት ከረጋግፆ ኣይከኣለን።

ሮይተርስ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ተኹሲ ኣብ ዝተኻየደሎም መዓልቲታት፡ "ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት" ከም ዝተቐተሉ ሓቢሩ ነይሩ።

ንሓደ ናይ ሆስፒታል ምንጪ ብምፅራሕ ኣስታት 30 ዝተጐድኡ ሰባት ናብቲ ትካል ጥዕና ምምፅኦም ምፅብፃቡ ይዝከር።

ብዛዕባ እቲ ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ጎንፂ ዛጊድ ካብ ሰብመዚ ክልል ኦሮሚያን ሶማሌን ዝተውሃበ ርኢቶ የለን።

መንግስቲ ፌደራል'ውን ኣብዚ ጉዳይ ዕላዊ ርኢቶ የለን።

ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ግና፡ ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንፂ ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ።

ኦፌኮ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት "ብዘሻቕል ኩነታት ወሲኹ" ንዝበሎ "ጥሕሰት ዶብ" ካብ ሶማሌ ዝመፅኡ ዕጡቓት ጉጅለታት ተሓተትቲ ገይሩ።

"እቲ ጉዳይ ኣሻቓሊ ዝገብሮ፡ ብሓደ ገዛኢ ውድብ ኣብ መንጎ ዝምርሓ ክልላት፡ ዕጡቓት መንግስቲ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝወፅአ ብዝመስል መልክዑ ወራር ምክያዱ'ዩ" ብምባል ነቒፉ።

እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።