መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምስልታት መስርሕ ምድማጽ ዜጋታት

ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ባህላዊ መራሒ ብሄረ ጌዴኦ 'አባ ገዳ' ቢፎም ዋቆ እውን ካብቶም ድምጾም ንምሃብ ብኣጋኡ ዝገስገሱ እዩPublished ንባብ: 3 ደቓይቕ
ትግራይን ሰፋሕቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘይተሳተፍዎ መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ክካየድ ውዒሉ'ሎ።
ኣብ ገለ ምርጫ ክካየደሉ ተመዲቡ ዝነበረ ቦታታት'ውን ብሰንኪ ጸጥታዊ ኲነታት መስርሕ ምድማጽ ተቛሪጹ ወይ ተደናጒዩ እዩ።
ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ። መንግስቲ ግን ነቲ ክስታት ከነጽጎ'ዩ ዝስማዕ።
እቲ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብገፊሕ ከምዝዕወተሉ ዝንገረሉ ዘሎ መረጻ፡ ኣብ ዝተረፈ ክፋላት እታ ሃገር ክካየድ ውዒሉ። ኣድመጽቲ በቢከባቢኦም ንዝቐረብሎም ተወዳደርቲ ክመርጹ ውዒሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ኣብቲ ዝወከሎ ከባቢ በሻሻ ድምጹ ሂቡ'ሎ፣ ነቲ መስርሕ ምድማጽ ዝገልጹ ገለ ስእልታት ቀሪብናልኩም ኣለና፡

ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገለ ቦታታት ኣድመጽቲ መሬት ከይበርሀ'ዮም ናብ ነቚጣታት ምርጫ ክግስግሱ ጀሚሮም
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ለውጢ ዝብህጉ ዜጋታት እታ ሃገር ምርጫኦም ንምግላጽ ኣብ ነዊሕ መስርዕ እናተጸበዩ
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ዲኣንስሰትዮ ክልል ዓፋር ብወገነን፡ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ብጾተን ተሰሪዐን ድምጸን ክህባ ውዒለን
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ክልል ዓፋር ምስ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያን ሶማሊን ትዳወብ ስትራተጂካዊት ግዝኣት ምዃና ይፍለጥ
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, አባ ገዳ' ቢፎም ዋቆ ዘሰነዮም ኣባላት ብሄረ ጌዴኦ
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣብ በሻሻ ድምጹ ዝሃበ ንካልኣይ እብረስልጣን ዝወዳደር ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ክዕወት ትጽቢት ይግበር
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ካብ ግጭትን ድኽነትን ተናጊጾም ዝሓሸ መጻኢ ክርእዩ ዝብህጉ ብዙሓት መንእሰያት ምዕራብ ወለጋ'ውን ድምጾም ሂቦም ኣለዉ
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል ንመስርሕ መረጻ ንምዕዛብ ናብ ሓደ ነቚጣ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ነይሩ
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ነበርቲ ጒራጌ ዞን'ውን ካብቲ መረጻ ኣይበኾሩን
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ጓል 85 ዓመት ነባሪት ፍሉይ ክልል ሃረሪ ን7ይ ግዜ ድምጸን ከምዝሃባ ንመግንስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢረን
ምንጪ ስእሊ, Debre Birhan City
መግለጺ ስእሊ, ምስ ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ተቓዋሚ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ተቓወምቲ ሰልፍታት ንውጽኢት መረጻ ብጸጋ ክቕበሉ ጸዊዑ'ሎ
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ፍሉይ ወረዳ ኣርጐባ ድምጾም ንምሃብ ናብ ጣብያታት ምርጫ ክውሕዙ ውዒሎም
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሬሳ ቤተሰቦም ኣብ ገዛ ገዲፎም ድምጾ ዝሃቡ ሸውዓተ ነበርቲ ሰሜን ሽዋ
ምንጪ ስእሊ, EBC
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገለ ከባቢታት ብዙሓት ድምጾም ከይሃቡ ምዱብ ግዜ ስለዝተዛዘመ፡ ቦርድ መረጻ መስርሕ ምድማጽ ክሳብ ፍርቂ-ለይቲ ክናዋሕ ወሲኑ ኣሎ