ሞያለ፡ ግጭት ን50,000 ሰባት ኣብ ዘፈናቐለሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስቕታ መሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከተማ ሞያለ ብዝተወልዐ ደማዊ ግጭት ኣስታት 50,000 ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ናብ ዶብ ኬንያ ሃዲሞም ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ'ዚ ኣብታ ቀንዲ ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ዝተፈጥረ ህውከት፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ኵሉ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ተዓጽዩ፡ ህይወት ነበርቲ ድማ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ ይርከብ።
ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ኬንያ ፋጢማ መሓመድ-ኮል፡ እቲ ግጭት እንተ ዘይተዓጊቱ ብዝሒ ናይቶም ዝመዛበሉ ሰባት ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።
ነበርቲ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ግጭት ዝተወልዐ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብ እትመሓደር ከተማ ሞያለ፡ ኣብ ሓደ ዘሰሓሕብ ከባቢ ባንዴራ ክልል ሶማል ምስ ተሰቕለ እዩ።
እቲ ከም ናይ ከባቢ ምስሕሓብ ዝጀመረ ኵነታት፡ ቅልጡፍ ናህሪ ብምሓዝ ናብ ደማዊ ግጭት ተቐዪሩ፡ ቅትለት፡ ሰፊሕ ምምዝባልን ዕንወት ንብረትን ኣስዒቡ ኣሎ።
መራሕቲ ኬንያ ብወገኖም፡ ብሰንኪ'ቲ ግጭት ዶብ ሰጊሮም ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ዘለዉ ተመዛበልቲ እናወሰኹ ምምጽኦም ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ከም ዘሎ ገሊጾም።
ናይ ሞያለ ኣባል ፓርላማ ጉዮ ዋቖ ጃልደሳን ኣባል ፓርላማ ሳኩ ዲዶ ዓሊ ራሶን ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኬንያን ኣህጉራውያን መሻርኽትን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ጸዊዖም።
ዲዶ ዓሊ ራሶ፡ "ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ሸነኽ ኣብ ከተማ ሞያለ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ኣሎ፡" ብምባል፡ "እዚ ግጭት ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኬንያ ዕቝባ ንኽደልዩ ብምግባሩ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቕርጽን ጸጋታትን ናይቲ ከባቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ፡" ኢሉ።
እቶም ኣባላት ፓርላማ ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ዝርከባ ማሕበረሰባት ነዚ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ቍጽሪ ተመዛበልቲ ንምትእንጋድ ይጽገማ ምህላወን ብምግላጽ፡ ህጹጽ ረድኤት ክበጽሖም ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ትም-ሕትም መንግስቲ ኢትዮጵያ
ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ናብ ምኒስትሪ ሰላም ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ፈደራላዊ መንግስትን ብተደጋጋሚ ተለፎን ብምድዋልን መልእኽቲ ብምስዳድን እኳ እንተፈተነ፡ ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸበን።
ጐረባብቲ ሃገራትን መራሕቲ ከባብን ህጹጽ ደው ምባል ተዅሲ፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰላማዊ ዘተን ክካየድ እናጸውዑ እንከለዉ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ሓይልታት ጸጥታ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ'ዚ ቅልውላው ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
ይዅን'ምበር፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ሰበስልጣን ከባብን ብዛዕባ መበገሲ እቲ ግጭት ዝተፈላለየ መብርሂ ሂቦም ኣለዉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ነበርቲ፡ እቲ ግጭት ዝገደደ ኣብቲ ክልል ኦሮምያ ናተይ እዩ እትብሎ ከባቢ ባንዴራ ክልል ሶማል ምስ ተሰቕለ እዩ።
ሞሉ ዝተባህለ ነባሪ እታ ከተማ፡ ጃታኒ ኣጋ ዝተባህለት መንእሰይ ኦሮሞ ነቲ ባንዴራ ምስቓል ብምቅዋማ ከም ዝተቐትለት፡ እዚ ድማ ተቓውሞታትን ህውከትን ከም ዘባርዐ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከንቲባ ከተማ ሞያለ ብሸነኽ ክልል ኦሮምያ ዝዀነ ጋልማ ቆሮፊቻ፡ እቲ ፍጻመ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ሶማል ነቲ ግጭት ኣብ ምብራዕ ኢድ ከም ዘለዎም ከሲሱ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ እቶም ንዘመናት ብሓባር ዝነበሩን ዝተኣሳሰረ ስድራቤታዊ ዝምድና ዘለዎምን ማሕበረሰባት ዝተወልዐ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ብኣንጻሩ፡ ከንቲባ ከተማ ሞያለ ብሸነኽ ክልል ሶማል ዝዀነ ኩላ ዓሊ ዓብዲራሕማን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ጠንቂ እቲ ግጭት ባንዴራ ምስቓል ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኸፍተ ናይ ክልል ሶማል ምምሕዳራዊ ቤትጽሕፈት ምዃኑ ገሊጹ።
ኩላ ዓሊ፡ "ብሰላም ኣብ እንነብረሉ ዝነበርና እዋን፡ ሃንደበት ኣብ ማእከል ግጭት ተረኺብና፡" ብምባል፡ እቲ ምስሕሓብ ዝተበገሰ ኣብታ ከተማ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ቤትጽሕፈት ብምኽፋቱ ምዃኑ ሓቢሩ።
ክልል ሶማል ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ሓድሽ ምምሕዳራዊ መዋቕር ከም ዘተኣታተወ ዝገለጸ እቲ ከንቲባ፡ ገለ ወገናት ነቲ ሞያለ ብኽልቲኦም ክልላት ብሓባር እትመሓደረሉ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስርዓት ይቃወምዎ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ሞያለ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ብድርብ ምምሕዳር ክትመሓደር ከም ዝጸንሐት ዝጠቐሰ ኩላ ዓሊ፡ ምዕራባዊ ሸነኽ ብኦሮምያ፡ ምብራቓዊ ሸነኽ ድማ ብኽልል ሶማል ከም ዝመሓደር ኣዘኻኺሩ።
ኣስዒቡ ድማ ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሞት ከም ዘስዓቡን ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ማይን መብራህትን ከም ዘቋረጹን ከሲሱ።
ምጕህሃር ማሕበራዊ መራኸቢታት
እቲ ግጭት እናተጋደደ ምስ ከደ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይተረጋገጸን ዘደናግርን ሓበሬታታት ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ጀሚሩ።
ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ሓይልታት ሶማል ንኸተማ ሞያለ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሮማ ዝብል፡ ሓይልታት ኦሮሞ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከበድቲ ኣጽዋር ይጥቀሙ ኣለዉ ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረታት ተራእዩ።
ብተወሳኺ፡ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብቲ ግጭት ተሳቲፎም ዝብሉ ክስታት እኳ እንተ ተዘርግሑ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ናጻ መርትዖ ግን ኣይተረኽበን።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽአ ጽሑፋት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቦረና ኦሮሞን ጋሬ ሶማልን ዘሎ ግጭት ከም ሰፊሕ ብሄራዊ ግጭት ገይሩ ብምቕራብ፡ እቲ ወጥሪ ካብ ሞያለ ወጻኢ ከይሰፍሕ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት'ውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ተመሳሳሊ ናይ ምፍርራሕን ዘመተን ስጕምትታት ከም ዝተራእየ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ሶማሊላንድን ኬንያን ዝቐረበ ጻውዒት ሰላም ጻውዒት
ኣብ ሶማሊላንድ፡ ኣባል ፓርላማ ዶክተር ዓብዲላሂ ሃሺ ዓቢብ ኣብ ከተማ ቦራማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኦሮሞ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዕንወት ንብረትን ብትሪ ኰኒኑ።
"ኣብ ቦራማ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ኦሮሞ ዝተፈጸመ ምንዳድ ኣባይትን ዘመተን መጥቃዕትን ኣዝዩ ኣሕዚኑኒ እዩ፡" ዝበለ ዶክተር ዓብዲላሂ፡ "ብሽም ማሕበረሰባት ኣውዳል ንዝተጐድኡ ዘሎኒ ሓዘንን ሕብረትን ይገልጽ። ክብርኹም ክብርና እዩ፣ ድሕነትኩም ድማ ሓላፍነትና እዩ፡" ኢሉ።
ኣስዒቡ'ውን ሰበስልጣን ነቶም ሰላማውያን ሰባት ክከላኸልሎምን ተሓተትቲ ናብ ፍርዲ ከቕርቡን ጸዊዑ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማርሳቢት ኣብ ኬንያ ዝዀነ መሓሙድ ዓሊ፡ ኣብቲ ከባቢ ህጹጽ ደው ምባል ተዅሲ ክእወጅ ብምጽዋዕ፡ እቲ እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባታት ነቲ ቅልውላው ዝያዳ ከየጋድዶ ኣጠንቂቑ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብወገነን፡ ብፍላይ ናይተን ካብ መረበተን ዝተመዛበላ ኣደታትን ህጻናትን ኵነታት ከቢድ ኰይኑ ምህላዉን ናይ መግቢ፡ ዕቝባን ሕክምናን ሕጽረት ከም ዘጋጠሞምን ገሊጸን።
ነዊሕ ዝሰረቱ ዶባዊ ግጭት
ከተማ ሞያለ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን እትርከብ ስትራተጅያውን ቍጠባውን ኣገዳስነት ዘለዋ ናይ ንግዲ ከተማ ኰይና፡ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ድማ ትርከብ። ኣብ ልዕሊ ዶባት፡ ምምሕዳርን ቍጽጽርን ዝካየድ ምስሕሓብ ንዓሰርተታት ዓመታት ቀጻሊ ወጥሪ ክፈጥር ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2017፡ ክልል ሶማል 14 ሓደስቲ ወረዳታት ዘጠቓለለ ምምሕዳራዊ ምምሕያሽ ከም ዘካየደ ምእዋጁ፡ ብወገን ክልል ኦሮምያ ከም ምስፍሕፋሕ ተራእዩ ተቓውሞ ኣስዒቡ ነይሩ።
ሓለፍቲ ክልል ሶማል ግን እቲ ስጕምቲ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ እምበር መሬት ንምውሳድ ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ገሊጾም ነይሮም።
ኣቐዲሙ ተደጋጋሚ ናይ ዕርቂ ዘተታት እኳ እንተ ተኻየደ፡ እቲ ወጥሪ ግን ብቐጻሊ እናተነሃሃረ ናብ ግጭት ምቕያሩ ኣየቋረጸን።
እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ግጭት፡ ኣሽሓት ሰባት ዘመዛበለን መስመራት ንግዲ ዘቋረጸን ብምዃኑ፡ ኣብቲ ዶባዊ ከባቢ ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ሓደ ኰይኑ ይርከብ።
እቲ ዘይምርግጋእ እንተ ቀጺሉ፡ ሳዕቤኑ ካብ ከተማ ሞያለ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይልሕም ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
