ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ልዕሊ ሓደሕድ መራኽብ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ፈጺመን

ምንጪ ስእሊ, Centcom
ትማሊ ቀዳም ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲታት ኣካይደን።
እዚ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ተዛማዲ ህድኣት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ዝዝረግ ንደሓር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እዩ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ጥቓ ደሴት ካርግ ምስ ኢራን ዝተኣሳሰራ ክልተ መራኽብ ነዳዲ "ንሓዋሩ ከም ዘደስከለ"፡ ሳልሰይቲ ድማ ኣብ ወሽመጥ ዖማን "ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነዋ" ገሊጹ።
መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጸን እየን። ቴህራን ከም ግብረ መልሲ ንሰለስተ ምስ ኣሜሪካ ርክብ ዘለወን መራኽብ ከምኡ'ውን ብ"ዘይፍቓድ" ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝጓዓዛ ሰለስተ ታንከራት ነዳዲ ከምዘጥቀዐት እውን ሓቢረን።
ቢቢሲ፡ ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ብዛዕባ'ቲ ቴህራን ፈጺማቶ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ርእይቶ ክህብ ሓቲቱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዞም መጥቃዕትታት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ግጭት "ትርጉም ዘይብሉ" ኢሉ ድሕሪ ብምንእኣስ፡ ነቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ንምውዳእ ብዙሕ ርኡይ ምዕባለ ከምዘብሉ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ተፈጺሞም። ብዛዕባ'ቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ርእይቶ ኣይሃበን።
ሚኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ቀሊል'ዩ፡ ኢራን ኣብ መራኽብ ኣመሪካ እንተድኣ ተኲሳ፡ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ኢራን ከነጥፍአን (ከምኡ'ውን ከነጥሕለን)" ዝብል መልእኽቲ ድሕሪ ምጽሓፉ'ዩ ኢራን መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዝፈጸመት ዝገልጹ ጸብጻባት ተዘርገሖም።
ብመሰረት ጸብጻብ ሴንትኮም፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ምስ ኢራን ዝተኣሳሰራ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻማ፡ ክልተ መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ብኢራን ዒላማ ኰይነን ነይረን።
ሴንትኮም፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ መዓልቲ ብእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተፈጸመ ብዙሕ መጥቃዕቲ፡ ዕንወት ከምዘይኣስዓበ ገሊጹ። ዝዀነ ይኹን ሰራዊት ኣመሪካ ከምዘይተጎድአ እውን ሓቢሩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣመሪካ ዝከታተል ሴንትኮም፡ እተን ዝተሃረማ ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ ኢራን "ኣካል ናይቲ ንእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንዞባዊ ወከልቱን ዝምውል ብብዙሕ ቢልዮናት ዝቑጸር ሚስጥራዊ መርበብ" ምዃነን ገሊጹ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ኢሪብ ከምዝሓበሮ፡ ብሰንበት ኣመሪካ ኣብ ጥቓ ደሴት ካርግ ኣብ ልዕሊ እታ ታንከር ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ።
ደሴት ካርግ፡ ቀንዲ ማእከል ሰደድ ነዳዲ ኢራን እያ። ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ዘይተጻረየ ነዳዲ እታ ሃገር በታ ደሴት ኣቢሉ ይሓልፍ።
ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብተን ክልተ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ታንከራት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብህይወት ኣድሕን ጀላቡ ናብ ገማግም ባሕሪ ከምዝተወስዱ ማዕከን ኢሪብ ጸብጺቡ። ካብተን ታንከራት ሓንቲ ባዶ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ጽዕነት ነዳዲ ሒዛ ከም ዝነበረት ወሲኹ ሓቢሩ።
ድሕሪ ሓያሎ ሰዓታት፡ ኢሪብ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ መራኽብ ኣብቲ ዞባ ሕነ ከምዝፈደየ ጸብጺቡ።
ብመሰረት ኢሪብ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን እተን ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ በቲ መጻብቦ "ዘይተፈቕደለን" መስመራት ይጥቀማ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ካልኦት መራኽብ ከምኡ ከይገብራ ኣጠንቂቑ።
እቲ ንኢንዱስትሪ ነዳድን ጋዝን ዓለም ወሳኒ ዝኾነ መጻብቦ፡ እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብኣድማዒ መንገዲ ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ።
መጥቃዕቲ ኢራን ብዘየገድስ፡ ትራምፕ እቲ መጻብቦ "ክፉት" ምዃኑ ዝኣወጀ ኰይኑ፡ ሰራዊት ኣመሪካ መራኽብ ኣብቲ ደቡባዊ መስመር ክጓዓዛ ክሕግዝ ጸኒሑ'ዩ።
ድሕሪ ተዛማዲ ህድኣት፡ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰንበት መጥቃዕቲ ዳግማይ ጀሚራ፤ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ነተጉቲ ሓይሊ ባሕሪ ከይተኽላ ንምክልኻል ክልተ ሮኬት ዘወንጭፋ ነፈርቲ ከም ዝሃረመት ገሊጻ።
ትራምፕ ብሰሉስ ኣመሪካ ተወሳኺ "ኣዝዩ ከቢድ መጥቃዕቲ" ከምዘካየደት እኳ እንተሓበረ፡ እቲ ዝተሓደሰ ውግእ ግን "ኣዝዩ ነዊሕ" ከምዘይጸንሕ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ን60 መዓልታት ዝጸንሐ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ከምዝተዛዘመ ይፍለጥ። ተወሳኺ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ከምዝርከብ ዘርኢ ምልክት ድማ ውሑድ እዩ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ካብቶም ጽዑቓት መስመራት መራኽብ ነዳዲ ኰይኑ ከገልግል ጸኒሑ እዩ። ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ቀረብ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና በዚ መስመር ይሓልፍ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እቲ ኣብቲ መጻብቦ ዝተፈጥረ ወጥርታት ስዒቡ፡ ብደረጃ ዓለም ዋጋታት ጸዓት ከምዝበረኸ ተገሊጹ እዩ።
ብዓርቢ ኣብ ኣመሪካ ማእከላይ ዋጋ ሓደ ጋሎን ናፍታ 5.85 ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ገምጋም 3.71 ዶላር እዩ ነይሩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


