ኣመሪካ ንምንታይ ንሓይልታት ኩርዲ እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተቋርጽ ወሲና?

ኣልዛይዲ ኣብ ሓምለ ምስ ትራምፕ ኣብ ዝተራኸበሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ዒራቕ ዓሊ ኣል-ዛይዲ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ መሻርኽታ ንዝዀነን ንጕጅለ ጥርኑፍ ምስልምና (ዳዕሽ) ኣብ ምስዓር ዝሓገዛን ሓይሊ ፐሽመርጋ እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምቍራጽ ይዳሎ ከም ዘሎ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡ ኣርባዕተ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ምስ መራሕቲ ርእሰ-ምምሕዳር ኩርዲስታን ዒራቕ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቀረባ ግዜ ዘተ፡ ነቲ ንሓይልታት ጸጥታ ኩርዲ (ፐሽመርጋ) ሓገዝ ዝህብ ስምምዕ ንኸሐድሶ ትልሚ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ስምምዕ'ዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘብቅዕ እዩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ምስጢራዊ ዘተ ምስ ክልተ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሰበ-ስልጣንን ካልኦት ክልተ ብቐጥታ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትን ተዛሪቡ ኣሎ።

እዞም ምንጭታት፡ እቲ ዝርርብ ቅድሚ ሕጂ ብወግዒ ስለ ዘይተገልጸ፡ ስሞም ከይጥቀስ ተማሕጺኖም እዮም።

መራሕቲ ኩርዲ፡ እዚ ምቍራጽ ፋይናንስ ሓገዝ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ ስልጣን ባዶነት ብምፍጣር ንኢራን ከም ዘተባብዕ ይሰግኡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቴህራን ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ኢራን ናብ ኩርዲስታን ዒራቕ ኣማኢት ሚሳይላትን ድሮናትን ተኲሳ እያ።

ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ እቲ ንሓይልታት ፐሽመርጋ ዝወሃብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምብቃዕ፡ ነቲ ምስ ኣመሪካ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ሽርክነት ዝዘርግን ኣመሪካ ንመሻርኽታ ክትሕግዝ ከም ዘይትእመን መልእኽቲ ዘመሓላልፍን እዩ።

ኣብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ዳይረክተር 'ግሎባል ኩርዲሽ ኢኒሸቲቭ' ዝዀነ የረቫን ሰይድ፡ "ኣመሪካ ነቶም ዕላማታታ ንኸተረጋግጽ ብዙሕ ደም ዝኸፈሉ ኩርዳውያን ክትጥንጥኖም እያ፡" ብምባል፡ እዚ ስጕምቲ'ዚ ንኢራን፡ ቻይናን ሩስያን ዓቢ ዓወት ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ዘመነ ስልጣኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ኢድ-ኣእታውነት ክትቅንስ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ፔንታጎንን መንግስቲ ርእሰ-ምምሕዳር ኩርዲስታንን (KRG) ዘሎ ናይ ምርድዳእ ሰነድ፡ ብ30 መስከረም ከብቅዕ እዩ።

እዚ ዕለት'ዚ ድማ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ነቶም ኣብ ዒራቕ ዝተረፉ ወተሃደራቶም ጠቕሊሎም ዝወጽእሉ ዕለት እዩ። እዚ ምውጻእ ወተሃደራት፡ ነቲ ንዳዒሽ ንምጥፋእ ዝተገብረ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብወግዒ መዛዘሚ ክኸውን እዩ።

እቲ ኣስታት 180,000 ወተሃደራት ዘለዎ ሓይሊ ፐሽመርጋ፡ ኣብ ባጀት ዓመት 2026 ንመሳርሒታት፡ ስልጠናን ደሞዝን ዝኸውን 61 ሚልዮን ዶላር ረኺቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ፔንታጎን ንባጀት ዓመት 2027 ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፡ "ዳዒሽ ስለ ዝተሳዕረ እቲ ገንዘብ ናብ ካልእ ክምደብ ይግባእ፡" ብምባል ኵሉ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንኽቋረጽ ሓቲቱ ኣሎ።

ኩርዳውያን ዝርከቡዎ ቦታ ዒራቕ፡ ሲርያ፡ ኢራን

ኢራንን ብኣኣ ዝድገፉ ዕጡቓትን ክሳብ መወዳእታ ግንቦት ኣብ ውሽጢ ኩርዲስታን ዒራቕ 158 ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም።

ይዅን'ምበር፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ከተሐድሶ ትልሚ ከም ዘይብላ ምንጭታት ይሕብሩ።

ሓደ ካብ ፔንታጎን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ግን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ገና ይርአ ከም ዘሎን ኣመሪካ ድሕሪ ምውጻእ ወተሃደራታ ንእሽቶ ናይ ጸጥታ ደገፍ እትህበሉ መንገዲ ትምርምር ከም ዘላን ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ርእሰ-ምምሕዳር ኩርዲስታንን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ኣለዉ።

ወሃቢ-ቓል ፔንታጎን ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ፡ እንተላይ ፐሽመርጋ፡ ነቲ ምስ ግብረ-ሽበራ ዝግበር ቃልሲ ባዕሎም ክመርሕዎ ምዃኖም ኣሚቱ።

እዚ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ዝብል ዘሎ፡ ኣመሪካ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቆንስላ ኣብ ኢርቢል ካብ እትኸፍት ዓመት እኳ ከይመልአ እዩ።

እቲ 800 ሚልዮን ዶላር ዝወጽኦ ህንጻ ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን፡ "ምስ ኩርዲስታን ናይ ዘሎ ኣገዳሲ ርክብ መርኣያ እዩ፡" ተባሂሉ ተገሊጹ ነይሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዒራቕ ዓሊ ኣል-ዛይዲ፡ ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዒራቕ ካብ ዝዀነ ግዳማዊ ወተሃደራዊ ጽልዋ ናጻ ክትከውን ምዃና ገሊጹ።

እንተዀነ፡ እዚ ምውጻእ ኣመሪካ ነቲ ዞባ ንመጥቃዕቲ ኢራን ዝያዳ ዘቃልዕ ከይከውን ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።