ምስሕሓብ ትራምፕን ኮንግረስን፡ ስልጣን ምቕጻል ውግእን ጉዳይ ምቍራጽ ተዅሲን

ትራምፕ ናብ ጋዜጠኛታት ኢዱ እናኣመልከተ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ዘሎ ወጥሪ ኣመሪካ ኣብ ግዜ እቲ ቀጻሊ ዘሎ ምቍራጽ ተዅሲ "ከም ዘብቅዐ" ንኮንግረስ ገሊጹ፤ እዚ ድማ ነቲ ንውግእ ዘድሊ ሕጋዊ ፍቓድ ንምርካብ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ ክኽተል ከም ዘይግብኦ ተማጒቱ።

ብመሰረት ሕጊ፡ ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ንሓጋጊ ኣካል ካብ ዘፍልጠሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ፍቓድ ኮንግረስ ክረክብ ኣለዎ፤ እንተ ዘይኰይኑ ግን ነቲ ወጥሪ ደው ከብሎ ይግደድ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ ንመራሕቲ ኮንግረስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኢራን ዝተሰማማዕሉ ምቍራጽ ተዅሲ ነቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዴታ ዘሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ ደው ስለ ዘበሎ፡ በቲ ናይ ውግእ ስልጣን ኣዋጅ (War Powers Act) ክእዘዝ ከም ዘይግበኦ ገሊጹ።

ኣመሪካን ኢራን ብመንገዲ ዘተ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ስምምዕ ሰላም ገና ኣይበጽሓን፤ ይዅን እምበር ናይ ኢራን መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝጸብጸብኦ፡ ቴህራን ብመንገዲ ፓኪስታን ሓድሽ ንድፊ ሓሳብ ብዓርቢ ሰዲዳ ኣላ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብወግዒ ንኮንግረስ ካብ ዘፍለጠሉ መበል 60 መዓልቲ፡ ትራምፕ ብዓርቢ ንመራሕቲ ኮንግረስ ከምዚ ኢሉ ጸሒፉ፤ "ካብ 7 ምያዝያ 2026 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ልውውጥ ተዅሲ የሎን። እቲ ብ28 ለካቲት 2026 ዝተጀመረ ወጥሪ ድማ ኣብቂዑ እዩ።"

እቲ ትካል ዜና ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ሓሳብ ኢራን ኣይሓተመን፤ እቲ ንድፊ ሓሳብ ናብ ኣመሪካ በጺሑ እንተ ኰይኑ እውን ንጹር ኣይኰነን።

ይዅን'ምበር ትራምፕ ንጋዜጠኛታት፡ "ምስ ኢራን ዝርርብ ገይርና ኣለና። እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና። ግናኸ፡ ሕጉስ ኣይኰንኩን ክብል እፈቱ፡" ኢሉዎም።

ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብኸፊል መራሕቲ ኢራን ድሕሪ ሞት ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቶም "ኣዝዮም ተደናጊሮም" ስለ ዘለዉ ምዃኑ ገሊጹ።

ትራምፕ ብሓሙስ ብማእከላይ እዚ ኣመሪካ ካብ "ንዕኦም ብምድምሳስ ንሓዋሩ ምፍጻም" ክሳብ "ስምምዕ ምግባር" ዝበጽሕ ምርጫታት ከም ዝቐረበሉ ገሊጹ።

ጸኒሑ ብዓርቢ ትራምፕ፡ "ብዓይነት እቲ ንሕና ክህልወና ዝግባእ ስምምዕ ኣይመጽኡን ዘለዉ። ነዚ ነገር'ዚ ድማ ብግቡእ መንገዲ ክንፍጽሞ ኢና። ቀዲምና ብምውጻእ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካልእ ጸገም ክለዓል ኣይንደልን ኢና።"

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ምኒስትሪ ፋይናንስ ኣመሪካ፡ ዝዀነ ውልቀሰብ ወይ ኩባንያ ብመንገዲ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምሕላፍ ንኢራን "ቀረጽ" ዝኸፍል፡ ንማዕቀብ ኣመሪካ ዝጥሕስ ምዃኑ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኣሎ።

እቲ ኣገዳሲ ናይ ባሕሪ መስመር ገና ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ቍጠባዊ ጽልዋታት የሕድር ኣሎ።

ኣብ ኮንግረስ፡ ኣባላት ቤትምኽሪ ነቲ ውግእ ወግዓዊ ፍቓድ ንምሃብ ኣብ ክልተኡ ባይቶ ድምጺ ክወሃበሉ መደብ ክሕዙ እንተ ኰይኖም ንዝቐርበሎም ዘሎ ሕቶታት ኣብ ምግጣም ይርከቡ።

ሕጊ ኣመሪካ፡ ማለት ናይ 1973 ናይ ውግእ ስልጣን ውሳነ (1973 War Powers Resolution)፡ ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዕጥቁ ንሓይልታት ውግእ ካብ ዘውዓለሉ ግዜ ጀሚሩ "ኣብ ውሽጢ ስሳ መዓልታት" ገለ ረቛሒታት ከማልእ ይሓትት።

እቲ ሕጊ፡ ኮንግረስ ወግዓዊ ኣዋጅ ውግእ እንተ ዘይኣዊጁ ወይ ድማ ነቲ ፕረዚደንት ሓይልታቱ "ብቕልጡፍ ንምውጻእ" ክሳዕ 30 መዓልታት ዝበጽሕ ናይ ግዜ ምንዋሕ እንተ ዘይፈቒድሉ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቶም ሓይልታት ምጥቃም ደው ከብል ይሓትት።

እዚ ሕጊ'ዚ ብ1973 ዝጸደቐ ኰይኑ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ኣብ ቬትናም ውግእ ናይ ምቕጻል ዓቕሙ ንምድራት እዩ ነይሩ።

ምኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰዝ ብሓሙስ ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ኣብ ዝቐረበሉ ናይ ሰዓት መድረኽ፡ እቲ ካብ ሓጋጊ ኣካል ፍቓድ ንምሕታተ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ ደው ከም ዝበለ ተማጒቱ።

ደሞክራቲክ ሰናተር ቲም ኬይን ድማ "እቲ ሕጊ ነዚ ዝድግፍ ኣይመስለንን፡" ክብል መሊሱ።

ትራምፕ ኣብ ኮንግረስ እናተዛረበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ክልተኡ ኣባይቲ ምኽሪ ኮንግረስ ብደሞክራስያውያን ዝምራሕ ኣብ ጉዳይ ኢራን ንትራምፕ ንምድራት ዝተገብረ ፈተነታት ደጋጊሙ ፈሺሉ እዩ።

መብዛሕትኦም ሪፓብሊካውያን ነቲ ናይ ደሞክራስያውያን ጻዕሪ ተቓዊሞሞ እዮም፤ ይዅን እምበር ገሊኦም ድሕሪ እቲ ናይ 60 መዓልታት ገደብ ኣብ መርገጺኦም ዳግመ-ርእይቶ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ብዓርቢ ካብ ኮንግረስ ፍቓድ ብዛዕባ ምሕታቱ ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ዝቐረበሉ ትራምፕ፡ "ካልእ ሃገር እኳ ገይራቶ ኣይትፈልጥን፡" ኢሉዎም። "መብዛሕትኡ ሰብ ከም ዘይቅዋማዊ ገይሩ እዩ ዝርእዮ፡" ኢሉ።

እቲ ምሕደራ ትራምፕ ነቲ ናይ ውግእ ስልጣን ውሳነ ዝሃቦ ትርጕም ብገሊኦም ክኢላታት ሕቶታት ይልዓለሉ ኣሎ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዝርከብ ጆርጅታውን ዩኒቨርሲቲ ሎው ፕሮፌሰር ሄዘር ብራንደን-ስሚዝ፡ ምቍራጽ ተዅሲ ብሕጊ ኣብ ግብሪ እኳ እንተ ወዓለ፡ ነቲ ናይ ግዜ ሰሌዳ ደው ከብሎ ከም ዘይክእል ገሊጻ።

"ምቍራጽ ተዅሲ ነቲ ግጭት ነባሪ መወዳእታ ኣይኰነን፡" ድሕሪ ምባል፡ "ብኣረኣእያይ፡ ነቲ ግጭት ነባሪ መኽተያ ምግባር ጥራይ እዩ ነቲ ናይ 60 መዓልታት ገደብ ክዓጽዎ ዝኽእል፡" ኢላ።

ምሕደራ ትራምፕ ነቲ ግጭት እንተ ቀጺልዎ፡ ኣብያተ ፍርዲ ወይ ኮንግረስ ጥራይ እዮም ነቲ ውግእ ደው መበሊ መንገዲታት ክዀኑ ዝኽእሉ ክትብል ገሊጻ።

እዚ ግጭት'ዚ ዝጀመረ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ድሕሪ ምቕታለን እዩ።

ኢራን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ወሽመጥ ዝርከባ ምስ ኣመሪካ ዝተሓባበራ ሃገራትን መጥቃዕቲ ብምክያድ መልሲ ሂባ።

ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኢራን ንንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ትጽዕር ኣላ ብምባል፡ ንንዩክለሳዊ መደባ ንዝቃወማ ምዕራባዊ ሓይልታት ይመርሓ ኣለዋ፤ ቴህራን ግን ነዚ ክሲ'ዚ ደጋጊማ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።