ስጳኛ፡ ንኣስታት 500,000 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንምሃብ ኣጽዲቓ

ብሞተር ብሽክለታ ንብረት ዘበጻጽሕ ሰብ ብጐደና እናኸደ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 2 ደቓይቕ

መንግስቲ ስጳኛ፡ ነቶም ሰነዳት ዘይብሎም 500,000 ስደተኛታት ሕጋዊ መለለዪ ብምሃብ፡ ብወግዒ ኣብ ዕዮ ክጽንበሩ ዘኽእል ትልሚ ኣጽዲቑ።

ቀዳማይ ምኒስተር ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ነዚ ናይ መንግስቱ ውሳነ፡ "ተግባር ፍትሒ" ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንስጳኛ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ንማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝመርሕ ሳንቸዝ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንህዝቢ ስጳኛ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ ብጅምላ ሕጋዊ ናይ ምግባር ስጕምቲ፡ "ነቶም ድሮ ክፋል ዕለታዊ ህይወትና ኰይኖም ዘለዉ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዘለዉዎ ኵነታት ንምእማን፡" ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ህዝቢ ስጳኛ ዝተባህለ ተቓዋሚ፡ እዚ ስጕምቲ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝወሃብ ሽልማት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ተወሳኺ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝዕድም እዩ ብምባል ነቲ ውሳነ ከተዓናቕፎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ብመሰረት መንግስቲ ተሊሙዎ ዘሎ መደብ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንሓደ ዓመት ዝጸንሕን ዝሕደስን ፍቓድ መንበሪ ክወሃቡ እዮም።

ነዚ ወረቐት ንምርካብ፡ ኣመልከትቲ ካብ 16 ምያዝያ ክሳዕ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ስጳኛ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከም ዝገበሩን ካብ ገበን ናጻ ምዃኖምን ዘርኢ መርትዖ ከቕርቡ ኣለዎም።

ሳንቸዝ፡ እዞም ስደተኛታት፡ "ነዛ ሕጂ ዘላን ብሕጂ ክትኰኖ ኢልና እንሓልማን ሃብታም፡ ክፍትትን ብዙሕነታዊትን ስጳኛ ንምህናጽ ሓጊዞም እዮም፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ነዛ ሓያሎ ካብ ህዝባ ዝሽምግል ዘሎ ሃገር ቍጠባኣን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ንምቕጻል እዞም ስደተኛታት ከም ዘድልዩ ኣገንዚቡ። ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት፡ ዜጋታት ስጳኛ ዝሓሸ ዕድል ደልዮም ንዝተሰደዱለን ሃገራት'ውን ቅኑዕ ስጕምቲ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

ትካል ምርምር ፉንካስ ከም ዝገመቶ፡ ኣብ ስጳኛ ኣስታት 840,000 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ድማ ተወለድቲ ላቲን ኣመሪካ እዮም።

"እዚ ውሳነ ንሓያሎ ሰባት ክጠቅም እዩ፤ ናብ ዕዮ ክጽንበሩን ዝሓሸ ደረጃ ህይወት ክመርሑን ድማ ዕድል ክኸፍተሎም እዩ፡" ይብል ቀዋሚ ስራሕ ክረክብ ዘይከኣለ ሪካርዶ ዝተባህለ ቦሊቪያዊ ግራፊክ ዲዛይነር።

"እዚ፡ ንመንግስቲ ስጳኛ ተወሳኺ ኣታዊ ማለት ክኸውን እንከሎ፡ ንኣስራሕቲ ድማ ሕጋውያን ሰራሕተኛታት ብቐሊሉ ክረኽቡ የኽእሎም፡" ብምባል ሓሳቡ የካፍል።

ተቓውሞኡ ዘስምዕ ዘሎ ዓቃባዊ ሰልፊ ህዝቢ ስጳኛ ግና፡ ግምት መንግስቲ ጌጋ ምዃኑን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ስደተኛታት ከመልከቱ ከም ዝኽእሉን ብምግላጽ፡ ነቲ ትልሚ "ገበን" ክብል ገሊጹዎ።

ብኣንጻሩ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ናይ መንግስቲ ውሳነ ደጊፋቶ ኣላ።

እዚ ትልሚ ዝወጽእ ዘሎ፡ መብዛሕትአን ጐረባብቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለወን ቍጽጽር ኣብ ዘሐይላሉ ዘለዋ እዋን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ክልተኦም ማሕበርነታውን ዓቃባውን ሰልፍታት ዝመርሑዎ መንግስታት፡ ተመሳሳሊ ናይ ምሕረት ወይ ይቕረታ ስጕምቲ ወሲዶም ነይሮም።

እቲ ዝቐረበ ናይ 2005 ስጕምቲ፡ 577,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ማሕበርነታውያን ፍቓድ መንበሪ ዝረኸብሉ እዩ ነይሩ።