ቀልቀል ንሕክምና፡ ናይ ካልእ ሰብ ቀልቀል ናብ ከስዕኹም ክኣቱ ምፈቐድኩም'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Rick Dallaway/Getty Images
ዶክተር ሪክ ዳላወይ ሓደ ካብቶም ንሳይንሳዊ ምርምር ናብ ቀርሶም ናይ ካልእ ሰብ ቀልቀል ዝኣዎም ሰባት’ዩ።
ንሱ “እዚ ቀልቀል ካብ ሓደ ሰብ ናብ ሓደ ሰብ ምስግጋር ዝብል ኣምር ፍሉይን ዘደንጹን ነገር’ዩ ነይሩ” ይብል።
ወዲ 50 ዓመት ዶክተር ሪክ ኣብቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቢርሚንግሃም ዝተኻየደ ፈተነ ሰሙናዊ ንክልተ ወርሒ ቀልቀሉ ንምርምር ክኸውን ሂቡ። ናይ ካልእ ሰብ ቀልቀል'ውን ናብ ከርሱ ከም ዝኣቱ ኰይኑ።
ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ኵሊት ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ጸገም ናይ ኵሊት ዘለዎ ሰብ ክትከል ሰሚዕና ንኸውን ኢና።
እዚ ዝሰምዐ ሰብ ቀልቀል ደኣ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ንምንታይ’ዩ ዝሰጋገር ዝብል ሕቶ ክመጽኦ ንቡር’ዩ።
እዚም ተመራመርቲ ቀልቀል ናይ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ምስግጋር ነቲ 'ፕራይመሪ ስክለሮሲን ክሎኒጅስተ' [PSC] ዝብሃል ሳሕቲ ዝጋጠም ሕማም ጸላም ከብዲ ንምፍላጥ ከም ዝኽእል ተስፋ ብምግባር’ዮም ነቲ ምርምር ኣካይደሞ።
ዶክተር ሪክ እናሰሓቐ “እቲ ንምርምር እትህቦ ቀልቀል ንእሽተይ ቅምሶ ከይመስለኩም፡ ዘውጻእካዮ ኩሉ ቀልቀል ኢኻ እትህብ” ይብል።
እቲ ቀልቀል ኣብ ቤተ ፈተን ተዓቒቡ ከኣ ምርምር ይካየደሉ።
ዶክተር ሪክ ሓደ ካብቶም በቲ መድሃኒት ዘይተረከቦ ሳሕቲ ዘጋጠም ሕማም ጸላም ከብዲ ዝተጠቅዑ ሰባት’ዩ፡ እታ ሓንቲ ዘላቶ ኣማራጺ ከኣ ጸላም ከብዲ ዝልግሰሉ እንተረኺቡ ምስግጋር ጸላም ከብዲ ክገብር’ዩ።
እዚ ሕማም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 100 ሽሕ ሰባት ንሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ሰባት የጥቅዕ። ንዕድመ ደቂ ሰባት ከኣ ካብ 17 ክሳብ 20 ዓመት ናይ ምሕጻር ተኽእሎ ኣለዎ።
ሪክ ወዲ 42 ዓመት እንከሎ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት’ዩ እዚ ሕማም ከም ዘለዎ ፈሊጡ።
“እዚ ሕማም ከም ዘለኒ ምስ ፈለጥኩ ንመጻእየይ ኣዝየ ክስከፍን ክፈርሕ ጀሚረ፡ ልክዕ ከምዚ ብገደል ዝጸድፍ ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ” ይብል።
ምስግጋር ቀልቀል እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, MTC/University of Birmingham
እዚ መስርሕ ብሳይንሳዊ ኣጸዋውዓ Faecal Microbiota Transplant (FMT) ወይ ከኣ ምስግጋር ቀልቀል ይብሃል።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ ንሕማም መዓናጡን ሕማም ጸላም ከብዲን ንዘለዎም ኣብ ቤተ ፈተን ይካየድ።
ጥዕንኡ ዝተሓለወ ቀልቀል ዘለዎም ሰባት ቀልቀሎም ኣብ ቤተ ፈተነ ይህቡ’ሞ ካብቲ ቀልቀል ብዝውሰድ ቅምሶ፡ ኣብ ቀልቀሎም ዝርከብ ባክተርያ ናብ ከስዐ እቲ ዝሓመመ ሰብ ከም ዝኣቱ ይግብር።
ዶክተር ሪክ ሓደ ካብቶም ንፈተነ በዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ቀልቀል ዝተረኸበ ባክተርያ ናብ ከስዕኡ ከምዝኣዎም ዝተገበረ ሰብ’ዩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ [NHS] እዚ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ነቶም ብርቱዕ ውጽኣት ዘስዕብ Clostridium difficile (C. diff) ዝብሃል ዓይነት ሕማም ንዘለዎም ሕሙማት ጥራይ ክውሃብ’ዩ ፈቒዱ ዘሎ።
እዞም ከምዚ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሰባት 50 ሚሊሊተር ፈሳሲ መድሃኒት ንምዕዳግ ክሳብ 1300 ፓውንድ’ዮም ዝኸፍሉ [1684 ዶላር]።
ገለ ትካላት’ውን ካብ ቀልቀል ሰብ ካብ ዝርከብ ባክተርያ ዘዳለውኦ ብመልክዕ ከኒና ብኣፍ ዝውሓጥ ከኒና ዝህባ ኣለዎ።
ጉዳይ ቀልቀል ናይ ካልእ ሰብ
ጸገም ናይ ጸላም ከበዲ፡ ኵሊት ወይ ልቢ ዘለዎም ቅያር ንምርካብ ኣዋርሕ ወይ’ውን ዓመታት ክወስደሎም ይኽእል’ዩ።
ዋላ ድኣ ንገለ ሰባት ቀልቀል ናይ ካልእ ሰባት ዋላ ንፈውሲ ይኹን ናብ ከስዐኦም ክኣቱ ከአፍፎም ከም ዝኽእል ርዱእ ዝውሰድ እንተዀነ፡ ቀልቀል ደቂ ሰባት ግን ፈቐድኡ ክርከብ ዝኽእል ነገር’ዩ።
ዶክተር ሪክ ግን ኣብ ሳይንስ እምንቶ ስለ ዘለዎ ሰጋእ ኣይበለን።
ካብ ብዓልቲ ቤቱን ኣዕሩኽቱን’ውን ደገፍ ኣይተጋደፎን።
“ዘፈንፍን ወይ ዘሰንብድ ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል “ካብ ስድራይን ኣዕሩኽተይን ዝረኸብክዎ መልሲ’ውን ጥራይ ዝፍውስ ይኹን’ምበር እንታይ ጸገም ኣለዎ ዝብል’ዩ ነይሩ” ይብል።
ባንኪታት ቀልቀል

ምንጪ ስእሊ, MTC/University of Birmingham
ኣብ ዩኒቨርስቲ በርሚንግሃም እቲ ናይ መጀመርታ ቀልቀል ብምኽዛን ቅምሶ ናብ ክሊኒካዊ ምርምር ንኽውዕል ናይ ኣማኢት ሰባት ቀልቀል ከዚኑ ከቐምጥ ዝኸኣለ ዩኒቨርስቲ’ዩ።
ኣብቲ ማእከል፡ ቀልቀሎም ክልግሱ ዝደልዩ ሰባት ብግቡእ መስርሕ መርመራ ሓሊፎም ኩሉ ናይ ደም፡ ናይ ኣነባብራን ናይ ቀልቀልን መርመራ ምስ ተገበረሎም ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ንኽኽዘን ቀልቀሎም ይልግሱ።
እቲ ዝለገስዎ ቀልቀል ከኣ ኣብ ኣሉታ 80 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዛሕሊ ኣብ ዘለዎ መኸዘኒ ተቐሚጡ ከኣ ክሳብ ን12 ኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል።
ሓደ ምስግጋር ቀልቀል ዘድልዮ ሰብ ምስ ዝርከብ ከኣ እቲ ቀልቀል ካብ ፍርጅ ወጺኡ ናብ ንቡር ሙቐት ከምዝምለስ ብምግባር ብስሪንጋ ናብ ከስዐ እቲ ሕሙም ይኣቱ።
ፕሮፌሰር ታሪቕ ኢቕባል ዳይረክተረር ማይክሮንዮም ትሪትመንት ሴንተር ኮይኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት “እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ሕክምና ባንኪ ናይ ቀልቀል ኣብ ዘይብለን ሃገራት ክካየድ ኣይክእልን’ዩ፡ ምኽንያቱ ነቲ ቀልቀል እኹል መርመራ ንምግባር መጀመርታ እቲ ቀልቀል ብዛሕሊ ክደርቕ ኣለዎ” ኢሉ።
እቶም ቀልቀል ዝልግሱ ሰባት ንዓሰርተ መዓልታት ቀልቀል ምስ ለገሱ ድልዮም ክገዝእሉ ዘክእሎም ዋጋ 200 ፓውንድ ህያብ ናይ ካርድ ይውሃቦም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መምርሒታት ምስግጋር ቀልቀል
ኣብዚ እዋን ምስግጋር ቀልቀል ከም ቀንዲ ኣገባብ ፍወሳ እቶም ሕማማት ገይርካ ከምዘይውሰድ ዶክር ሆሬስ ዊልያምስ ካብ ኮሌጅ ኢምፔርያል ኮሌጅ ይሕብር።
ዶክተር ሄሬስ ዊልያምስ ኤንኤችቼስ እዚ ኣገባብ ፍወሳ ነቶም ብርቱዕ ውጽኣት ዘስዕብ Clostridium difficile (C. diff) ዝብሃል ዓይነት ሕማም ንዘለዎም ሕሙማት ጥራይ ክውሃብ ፈቒዱ ከምዘሎ ይሕብር።
ካልእ ቤንጃሚን ሙሊሽ ዝተብሃል ካብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ብወለንትኦምን ብውልቆምን ነዚ ኣገባብ ይፍትንዎ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ እቲ ብዘይ ሓገዝ ክኢላትት ዝግበር ምስግጋር ቀልቀል ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ይመክር።
እዚ ኣገባብ እዚ ምስ ምሉእ ኣፍልጦ ምስ ዘይካየድ ሞት’ውን ከስዕብ ከምዝኽእል’ዮም እዞም ክኢላታት ዝሕብሩ።
እቲ ቀልቀል ናይ ዘመድዶ ዋላስ ናይ ዝኾነ ሰብ’ዩ ክኸውን ዘለዎ?
እዚ መስርሕ ብሳይንሳዊ ኣጸዋውዓ Faecal Microbiota Transplant (FMT) ወይ ከኣ ምስግጋር ቀልቀል ዝብሃል ኰይኑ፡ ብጀካ ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ ከም ብዓል ብራዚል፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ህንድን’ውን ይካየድ’ዩ።
ገለ ሕሙማት ንቀልቀል ብምፍንፋን ክወስድዎ ከምዘይደልዩ ይሕብሩ’ዮም።
ብባህላዊ፡ማሕበራውን ሃይማኖታዊ እምነታት ተደሪኾም ነዚ ከምዚ ዓይነት ፈውሲ ዘይቕበልዎ’ውን ኣለዉ።
ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሲር ጋንጋ ራም ዝብሃል ሆስፒታል ተመራማሪ ዝዀነ ዶክተር ፒዩሽ ራንጃን ብወገኑ “ገለ ተሓከምቲ ብምስግጋር ቀልቀል ክፍወሱ ከም ዝኽእሉ ምስ ተገርካዮም እቲ ዶክተር ዝላገጽ ዘሎ ዝመስሎም ኣለዉ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶክር ራንጃን ካብ ተመክርኡ ብምብጋስ፡ እቲ ቀልቀል ካብ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ካብ ዝኸውን ካብ እትፈልጦ ሰብ እንተዀነ ይሓይሽ ይብል።
ካብቶም ምስግጋር ቀልቀል ዝተገበረሎም ሰባት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝመለስሉ ግን እቲ ቀልቀል ካብ ዝፈልጥዎ ሰብ ካብ ዝከውን ካብ ሓደ ዘይፈልጥዎ ሰብ ክኸውን ከምዝመርጹ’ዮም ገሊጾም።
ኣብ መጀመርታ ካብ ዝተሓተቱ እቶም 37 ሚኢታዊት ጥራይ ብኣገባብ ምስግጋር ቀልቀል ክፍወሱ ድልውነት ከምዘለዎም ክሕብሩ እንከለዉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣገባብ ዝያዳ መብርሂ ምስተውሃቦም ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 54 ሚኢታዊት ክዓቢ ከምዝክኣለ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ዶክተር ብረት ፓልመር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ትምህርቲ ንብዙሕ ሓጽር’ዩ ዘፍርስ” ብምባል፡ ሰብ ዘያዳ ብዛዕባ ምስግጋር ቀልቀል እናፈለጠ ምስ ከደ ዝያዳ እናቐበሎ ክኸይድ ምዃኑ ይገልጽ።
ንፈተነ እዚ ምስግጋር ቀልቀል ዝግበረለ ዘሎ ዶክተር ሪክ፡ እዚ ዝግበረሉ ዘሎ ምስግጋር ቀልቀል ነቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማሙ ክፍውሰሉ ብዓል ምሉእ ተስፋ’ዩ።
“ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ቀልቀል ደቂ ሰባት ንፍወሳ ክውዕል ይክእል’ዩ እንተዝብሃል ነይረ ብፍጹም ኣይምኣመንኩን” ድሕሪ ምባል “ሕጂ ግን ሓቂ ኮይኑስ ይካየድ’ውን ኣሎ” ኢሉ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
