ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ስራሖም ክምለሱ ጻውዒት ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብፌደራል መንግስቲ ዝተመዘዘ ሞግዚት ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት ክልላዊ መንግስቲ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ናብ ስራሖም ክምለሱ ጸዊዑ።
ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈ ፈጻሚ ኣካል መቐለ፡ ሎሚ 10 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ሰራሕተኛታታት ናብ ቦታኦም ክምለሱ ተላብዩ።
"ዝኾነ [ሰራሕተኛ] ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተገለፀ ሰለስተ መዓልታት ሪፖርት እንተዘይገይሩ ብውልቁ ተሓታቲ ክኸውን እዩ" ክብል እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ኣተሓባበርቲ ምሕደራ ዓቕሚ ሰብ እውን፡ ናብ ትካላቶም ተመሊሶም ሪፖርት ዝገብሩ ሰራሕተኛታት ክምዝግቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 (ግ) እዩ ዕላዊ ገይሩ።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብቲ ክልል ጸጥታን ምርግጋእን ንምፍጣርን ንቐጻሊ መረጻ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ።
“እቶም ተኣጊዶም ዝጸንሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ምርግጋጽ” ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ምምሕዳር እዩ።
ብህወሓት ዝምራሕ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብግዝያውነት ዝተመዘዘ ሓድሽ ምምሕዳር "ሕጋውነት ኰነ ተፈጻምነት የብሉን" ክብል ብ6 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ መግለፂ፡ እቲ ብፈደራል ዝተሰየመ "ምምሕዳር በዓል ሓደራ" ንትግራይ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ኰነ ስልጣን ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ምስዚ ሓድሽ ኣካል ዝተሓባበር ዝዀነ ትካል "ሓላፍነት ክወስድ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ ይዝከር።








