ንኢራን ጸለውቲ ቪድዮታት ኤኣይ ዝሰርሓላ ዘሎ ክኢላ እንታይ ይብል?

ሓደ ኢራናዊ ወተሃደር ንሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ክሃድኖ ዘርኢ ካብቲ ብኤኣይ ዝተሰርሐ ንኢራን ዝድግፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪድዮ ዝተወስደ ቅዳሕ ስክሪን

ምንጪ ስእሊ, Explosive Media

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ንመጀመርታ ግዜ ንኽትሪኦም፡ ካብ ፊልም ሌጎ ዝወጽኡ ክመስሉ ይኽእሉ።

እዞም ብቕጽበታዊ ስነጽባቐ ሌጎ ዘበገሶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብብዝሒ ዝተዘዋወሩ ብኪነታዊ ብልሒ (ኤኣይ) ዝተዳለዉ ቪድዮታት ግን ንዝሞቱ ህጻናት፡ ነፈርቲ ውግእን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ዘርእዩ እዮም። ብግልጺ ድማ፡ ንኢራን ዝድግፉ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪድዮታት እዮም።

ሓድሽ ናይ ቢቢሲ ፖድካስት 'ቶፕ ኮመንት' ምስ ወኪል ናይቲ ነዘን ቪድዮታት ዘመንጩ ቀንዲ ኣካውንታት ዝዀነ 'ኤክስፕሎሲቭ ሚድያ' ኣዘራሪቡዎ።

ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ኢልና ክንጽውዖ ድማ መሪጹ። ንሱ፡ ንፉዕ ኦፕሬተር ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ንመንግስቲ ኢራን ኣይሰርሕን ኢሉ ሞጒቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ቃለመሕትታት፡ እቲ መርበብ "ፍጹም ናጻ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ግን ተወሳኺ ሕቶታት ምስ ቀረበሉ፡ ስርዓት ኢራን "ዓሚል" ምዃኑ ተኣሚኑ - ቅድሚ ሕጂ ነዚ ብወግዒ ኣረጋጊጹ ኣይፈልጥን።

መልእኽቲ እዚ ቪድዮታት፡ ኢራን ነቲ ከም ኵሉ ዝክኣላ ጨቋኒት ዓለም እትርእያ፡ ማለት ንኣመሪካ ትቃወማ ከም ዘላ እዩ። ብዙሓት ሰባት ክኣ፡ ነዞም ቪድዮታት የካፍሉን ርእይቶታት ይህቡን ኣለዉ።

ኣብ ሓደ ካብቲ ቪድዮታት፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ "the secrets are leaking, the pressure is rising" -እቲ ምስጢር ይልሑኽ ኣሎ፡ ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ፡" ዝብል ግጥሚ ራፕ እናገበረ፡ "ሰነዳት ኤፕስቴይን" ብንፋስ እናተበተነ ክወድቕ ይርአ።

ኣብ ካልእ ድማ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብፖሊስ ተረጊጹ ይርአ፤ ኢራን ድማ "እቲ ስርዓትካ ንዝበሎ ኵሉ ደው ኢላ፡" ዝብል ይስማዕ።

"ስሎፓጋንዳ" - Slopaganda - ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ ኣካዳምያዊ ጽሑፍ ኣብ 'AI slop' ዝተቐየሰ - እዚ "ኣዝዩ ዝተራቐቐ" ትሕዝቶ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ንምግላጽ ኣዝዩ ድኹም ኣበሃህላ ምዃኑ ክኢላ ፕሮፖጋንዳ ዶክተር ኤማ ብራያንት ትዛረብ።

ብኪነታዊ ብልሒ ዝፍጠሩ ቪድዮታት ፕሮፖጋንዳ፡ ኣብ እዋን ኲናት ኣማኢት ሚልዮናት ግዜ ከም ዝተራእዩ ይግመት።

መግለጺ ቪድዮ, ኤክስፕሎሲቭ ሚድያ ብኤኣይ ዝሰርሖም ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪድዮታት ኣመና ዝተራቐቑ ኣይኰኑን

ኣብቲ ምስ ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ዝገበርናዮ ናይ ቪድዮ ቃለ መጠይቕ፡ ብቀይሕን ቀጠልያን መብራህቲ ተጐልቢቡ - ሕብሪ ባንዴራ ኢራን - ነይሩ።

ኣብ ጠረጴዛኡ፡ ምስቲ ኣብ ሓያሎ ቪድዮታቶም ዝረአ ምስ ተዋጋኢ ሑሴን ኢብን ዓሊ ዝተኣሳሰር ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ቆቢዕ ወተሃደር ኣሎ።

ጕጅለ ኤክስፕሎሲቭ ሚድያ፡ ቅዲ ግራፊክስ ሊጎ "ዓለምለኻዊ ቋንቋ ስለዝዀነ" ኣስታት ዓሰርተ ሰባት ዝሓቘፈ ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ ኤክስ ዝርከባ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራንን ሩስያን ብቐጻሊ ንሚልዮናት ተኸታተልቲ የካፍላወን።

ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ስለምንታይ ሰነዳት ኤፕስተይን ኣብ ቪድዮታቱ ብብዝሒ ከም ዝቐርቡ ሓቲትናዮ።

ንሱ፡ ኣብ መንጐ ኢራን - "ሓቅን ናጽነትን ትደሊ" - ኣንጻር "ምስ በላዕቲ ሰብ ዝዛመዱ" "ዝዕዘብዎ ዘለዉ ዓይነት ምፍጣጥ" ንምርኣይ ምዃኑ ይዛረብ።

እዚ ሰነዳት ኤፕስተይን፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ምስ በላዕቲ ስጋ ሰብ ይተኣሳሰር ናይ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ መወከሲ እዩ - እዚ ዝዀነ ተኣማንነት ዘለዎ መርትዖ የለን።

መግለጺ ቪድዮ, ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ኣብ ሓንቲ ካብተን ብቅዲ ሌጎ ዝተሰርሓ ቪድዮታት ኣብ ዘቕረቦም ጭብጢ ዘይብሎም ርእይቶታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዞም ቪድዮታት፡ ዘይቅኑዕ ተረኻት ዝሓዙ'ዮም - ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ሰራዊት ኢራን ንሓደ ዝወደቐ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ክማርኽ ይርአ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እታ ዝወደቐት ነፋሪት - ነፋሪቱ ምስ ተወቕዐት ኣብ ርሑቕን ኣኽራናዊን ዞባ ኢራን ስለ ዝነበረ - ብ4 ሚያዝያ ብፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ከም ዝደሓነ ገሊጾም'ዮም።

ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ነዚ ኣይቅበሎን፤ "ምናልባት ዝጠፍአ ኣብራሪ ኣይነበረን፣ ስርሒት ምድሓን ህይወት ኣይነበረን። ቀንዲ ዕላማኦም ካብ ኢራን ዩራንየም ምስራቕ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ እቲ ኣብራሪ ኣብ ኩዌት ሕክምና ይረክብ ኣሎ ምባሎም ብምጥቃስ - "ትራምፕ ካብ ዝብሎ 13% ጥራይ ኣብ ሓቅታት ዝተመርኮሰ'ዩ፡" ይብል።

ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ፡ እዚ ኤክስፕሎሲቭ ሚድያ ዝሰርሖ ቪድዮ ኣማራጺ ተረኽ ኰይኑ ተራእዩ፤ ብዙሓት ተዓዘብቲ ድማ ረኺቡ።

ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሩ ሻራዊ ጸላዊ ናይ ቲክቶክ ኣካውንት- @newswithsteph - እቶም ቪድዮታት ሌጎ "ክሳብ ሕጂ ብዘሰንብድ መልክዑ ቅኑዓት ምዃኖም፤ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ልኡኽ ኣብራሪ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ዝተኻየደ ስርሒት ምድሓን ኣብራሪ፡ ፈጺሙ ናይ ምድሓን ተልእኾ ዘይኰነስ ፍሉይ ተልእኾ ዩራንየም እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ኤኣይ፡ ንኢራንን ካልኦትን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ብቐጥታ ምስ ምዕራባውያን ተዓዘብቲ ንኽረዳድኡ ኣኽኢልዎም እዩ ትብል ብራያንት።

ብዓቢኡ መረዳእታ ምዕራብ ተጠቒሞም ዝሰልጠኑ መሳርሒታት ይጥቀሙ ስለዘለዉ፡ "ንዕኡ ዝምጥን" ትሕዝቶ ንምፍጣር ምቹኣት ይገብሮም ኣሎ።

እዚ እዩ "ንምዕራባውያን ዒላማ ክገብራ ዝደልያ ምልካውያን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝጐደለን።"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ትሬንት ክኢላ ሳይበር ኲናት ዶክተር ታይን ሙንክ፡ ንሜላታት ኢራን "ምክልኻላዊ ሜላ ውግእ ላግጺ" ክትብል ትገልጾም፤ እዚ ድማ እቶም ፈጠርቲ ንተረኻት ኣመሪካ ንምምካት ኣድላዪ ኰይኑ ይርኣዮም።

ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ኢራን ዕንወት ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ኢራን ዕንወት ኣስዒቡ

ቪድዮታት ኤክስፕሎሲቭ ሚድያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መጀመርታ 2025 እዮም ተራእዮም - ድሕሪ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ግን ዝያዳ ብብዝሒ ክርኣዩ ጀሚሮም።

እቶም ብቅዲ ሌጎ ዝስርሑ ዘለዉ ቪድዮታት፡ ብዝሖም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፤ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ መዓርፎ ነፈርትን ኢንዱስትርያዊ ቦታታትን ሓዊሱ ኣዝዮም ፍሉያት ቦታታት ወሽመጥ ብሚሳይላት ኢራን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነዉ ድማ የርእዩ።

ብክውንነት፡ መብዛሕትኦም ውሱን ጉድኣት ጥራይ እዩ በጺሑዎም።

እቶም ቪድዮታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ "ሓቀኛ ግዜ" ዝፈረዩ ኰይኖም፡ ድሕሪ ዓበይቲ ምዕባለታት እቲ ኲናት ድማ ብቕልጡፍ ተራእዮም። ሓደ ቪድዮ ብዛዕባ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ዝዀነ ወግዓዊ ምልክታታት ተሓቲሙ።

ኣብ ኢራን፡ ሊባኖስን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን እዘን ሃገራት ገሊጾም። እዚ ሕጂ ዘሎ ግጭት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያደን ኣብ ለካቲት እዩ ጀሚሩ።

ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ፡ መንግስቲ ኢራን "ዓሚል" ትካሉ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኢንስታግራም መልእኽትታት፡ እቶም ዝሰርሖም ቪድዮታት ብቐጥታ ብሰበስልጣን ኢራን ንብዙሕ ፕሮጀክትታት ከም ዝተኣዘዘ ነጊሩና ነይሩ።

ኣብዚ ዓመት፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም'ዮም። ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (ህራና) ብውሕዱ 7 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።

ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ግን ምስ መንግስቲ ኢራን ዘለዎ ርክብ፡ "ንሃገር ምስራሕ ክብሪ'ዩ፡" ብምባል ይምጕት።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ድማ፡ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝምወል "ዕልዋ መንግስቲ" ክብል ይነጽጐ። ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ ቪድዮታቱ ጸረ-ሴማውያን ተረኻት ይጥቀም'ዩ ዝብል ክስታት'ውን ይነጽጎ።

"ቪድዮታትና ጸረ-ሴማውያን ኣይኰኑን፤ ቪድዮታትና ጸረ-ጽዮናውያን እዮም፡" ይብል።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ደም እናሰተየ ዘርኢ ስእሊ ድማ፡ ነቲ "ዝፈጸሞ ግፍዒ" ዘጕልሕ'ዩ ይብል።

መብዛሕትኦም ኢራናውያን ብሰንኪ ብደረጃ ሃገር ዝጸንሐ ምዕጻው ኢንተርነት፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክጥቀሙ ኣይክእሉን።

ሚስተር ኤክስፕሎሲቭ፡ ብመንግስቲ ኢራን ዝተዋህቦ "ጋዜጠኛ ኢንተርነት" ተጠቒሙ ንቢቢሲ ክረኽቦ ከም ዝኽእል ይገልጽ። ኢራን ብቐጻሊ ኣብ ዓለምና ብናጽነት ፕረስ ካብ ዘለዋ ዓፈንቲ ሃገራት ትስራዕ።

እቶም ብኤኣይ ዝተሰርሑ ቪድዮታት፡ ንሓያል መልክዕ ዲፕሎማሲ ኢንተርነት ክውክሉ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይኣምኑ

ምንጪ ስእሊ, Explosive Media

መግለጺ ስእሊ, እቶም ብኤኣይ ዝተሰርሑ ቪድዮታት፡ ንሓያል መልክዕ ዲፕሎማሲ ኢንተርነት ክውክሉ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይኣምኑ

ማሕበራዊ መራኸቢታት በቶም ብቅዲ ሌጎ ዝስርሑ ቪድዮታት ኣካውንት ክዓጽዉ ጸኒሖም እዮም፤ ሓደስቲ ቪድዮታት ግን ልክዕ ከምኡ ብቕልጡፍ ዝወጽኡ ይመስሉ።

ኣብዚ ንኽጸንሕ ዝረአ ዝመስል ቅልጡፍን ዕጡቕን ዲፕሎማሲ ኢንተርነት ምዃኑ ዶ/ር ሙንክ ይዛረብ።

ሙንክ፡ እቶም ብኤኣይ ዝተሰርሑ ቪድዮታት፡ ንሓያል መልክዕ ዲፕሎማሲ ኢንተርነት ክውክሉ ከም ዝኽእሉ ትኣምን።

እዚ ብወሳኒ መልክዑ፡ "ንግደ ሸምገልቲ፡ ፕረስ፡ መራኸቢ ብዙሃን ብምግላፍ፡ ብቐጻሊ ምዝርጋሕ ሚም፡" እዩ ኢላ።

ሕጂ "እቲ ዝተለምደ መልክዕ ዲፕሎማሲ የለን። ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ፍጻመታት ዘለና ርድኢት የደብዝዝ። እንተዀነ፡ ሓደጋ ግጉይ ትርጕምን ምብራኽ ጐንጽን ኣለዎ፤ ስለዚ ኣብ ሓደ ዓይነት ምድንጋር ኢና ዘለና።"