ኣይኤምኤፍ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤል ከምኡ'ውን ምንሃር ዋጋታት ጸዓት እንተ ቀጺሉ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ኣብ ዝሕታለ (recession) ክወድቕ ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ኣጠንቂቑ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ ቍጠባዊ ትንታነ፡ እቲ ዝኸፍአ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙ (ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ጋዝን መግቢን ሎሚ ዓመትን ንዓመታን እንተ ቀጺሉ) ዓለማዊ ዕብየት ትሕቲ 2% ክወርድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ዝቐረበ ዓለማዊ ዝሕታለ ቍጠባ ዘጋጠመሉ ግዜ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ምንባሩ ብምዝኽኻር፡"እዚ ድማ ካብ 1980 ጀሚሩ ንኣርባዕተ ግዜ ጥራሕ ዘጋጠመ ዓለማዊ ቍጠባዊ ዝሕጠት ዳግም ናይ ምኽሳቱ ተኽእሎ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ የመልክት፡" ይብል።
ምኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ ስኮት በሰንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢራን ንርእሰ-ከተማታት ምዕራብ ብንዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃዕ ስግኣታ ንምውጋድ፡ "ንኡስ ቍጠባዊ ስቓይ" ክኽፈል ዝግብኦ ዋጋ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ሰሙናት ገይሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣገዳሲ መስመር ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻዉን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ሰላም ምፍሻሉን፡ ዋጋ ጸዓት ኣዝዩ ንሂሩ ኣሎ።
ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ፡ "ዓለማዊ ቍጠባ ዳግማይ ካብ መስመሩ ከንደልህጽ ይርአ ኣሎ - እዚ ድማ ብምኽንያት ናይቲ ኣብ መወዳእታ ለካቲት 2026 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተወልዐ ኲናት እዩ፡" ክብል የብርህ።
እቲ ትካል ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ናብ ዓለማዊ ቍጠባዊ ቅልውላው ክመርሑ ዝኽእሉ ዝኸፍኡ ኵነታት፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብገምጋም 110 ዶላር፣ ኣብ 2027 ድማ 125 ዶላር ክበጽሕ እንተ ክኢሉ እዩ።
ነዚ ግምታት'ዚ መሰረት ብምግባር፡ ዝመጽእ ዓመት ዝቕባበ ክሳብ 6 ሚእታዊት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ሓቢሩ። እዚ ድማ ባንክታት ወሰኽ ዋጋታት ንምዝሕሓል፡ መጠን ወለድ ክውስኻ ከገድደን እዩ።
ቀንዲ ቍጠባዊ ክኢላ ኣይኤምኤፍ ፒየር-ኦሊቭየር ጎሪንቻስ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ግጭት እንተ ቀጺሉ ናብ ዘይምቍጽጻር ዝቕባበ ከምርሕ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽን ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ጽረት መግቢ ከስዕብን ይኽእል እዩ።
እቲ ግጭት፡ ንኣብነት ዋላ ሎሚ ደው እንተ በለ፡ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዘውርዶ ጽልዋ ቀሊል ኣይኰነን።
ካብቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ 1970ታት፡ ንኣመሪካን እስራኤልን ንዝደገፋ ሃገራት ዘንበራኦ እገዳ ነዳዲ ዝዓበየ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ዓለም ኣብ ነዳዲ ዘለዋ ጽግዕተኝነት ዝተሓተ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ተጠቀምቲ ዝወርድ ጽልዋ ዝቐለለ ክኸውን ከም ዝኽእል ጎሪንቻስ ይገልጽ።
ዋጋ ነዳዲ ኣብ እዋን ኲናት ኢራን ክሳብ 120 ዶላር ንሂሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግን ቀኒሱ እዩ፤ ዝሓለፈ ሰሉስ ዋጋ ሓደ በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ ናብ 98.85 ዶላር ወሪዱ።
ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ስግኣት ቍጠባዊ ቅልውላው ክውስኽ ዝኽእል፡ እዚ ኵነታት ንኽልተ ዓመታት እንተ ቀጺሉ ጥራሕ እዩ።
እቲ ግጭት ኣብ ዝመጽእ ሒደት ሰሙናት ኣብቂዑ፡ ምፍራይን ምጓዓዝን ጸዓት ማእከላይ ምብራቕ ክሳዕ ፍርቂ ናይዚ ዓመት ናብ ንቡር እንተ ተመሊሱ ግን፡ ዓለማዊ ዕብየት ኣብ 2026 ናብ 3.1% ክወርድ እዩ።
ካብተን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ዘጋጠመ ናይ ጸዓት ምንዋጽ ዝያዳ እትጕዳእ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ምዃና ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ይገልጽ።
እቲ ትካል ንዓባይ ብሪጣንያ ተተንብዩዎ ዝነበረ 1.3% ዕብየት ናብ 0.8% ኣውሪዱዎ ኣሎ።
ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት'ውን፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ቍጠባዊ ዕብየተን ኣዝዩ ክዝሕል ወይ ክቕንስ ከም ዝኽእል ይግመት።
ቍጠባ ኢራን ኣብዚ ዓመት'ዚ ብ6.1% ክቕንስ ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ይገልጽ።

ምኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ በሰንት፡ ካብቲ ቍጠባዊ ጕድኣት ንላዕሊ እቲ ዓለማዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ከም ዘስግኦ ሓቢሩ።
"ሓደ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንለንደን እንተ ሃሪምዋ፡ ዓለማዊ ቍጠባ ክንደይ ክጕዳእ ከም ዝኽእል ይገርመኒ እዩ... ስለዚ ካብቲ ናይ ሓጺር ግዜ ግምታት ንላዕሊ፡ ንናይ ነዊሕ ግዜ ድሕነት እየ ዝጭነቕ፡" ኢሉ።
ቢቢሲ ኣቐዲሙ ከም ዝጸብጸቦ፡ ለንደን ካብ ስግኣት ናይ ኢራን ሚሳይላት ዝርሓቐት እያ።
በሰንት ቀጺሉ፡ "እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ከይፈለጥካዮ እትኣትዎ እዩ፣ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ድማ ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ክትፍንዎ እትኽእል ንዩክለሳዊ መጥቃዕቲ ኣወጊድዎ እዩ፡" ይብል።
ቍጠባ ቐጠር ኣብ 2026 ብ8.6% ክቕንስ ከም ዝኽእል፡ ድሕሪኡ ግን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዳግማይ ብ8.6% ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ገሊጹ።
ጐረቤት ኢራን ዝዀነት ዒራቕ እውን ቍጠባዊ ዕብየታ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብ6.8% ክዝሕትል እዩ።
ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ቍጠባዊ ተጻዋርነት፡ ኣብቲ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዝበጽሐ ዕንወት፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዋ ጽግዕተኝነትን ኣብ ዘለዋ ካልእ ኣማራጺ ናይ መሸጣ መስመራትን ይምርኰስ።
ቍጠባ ስዑዲ ኣብ 2026 ክዝሕትል እዩ። እንተዀነ፡ ገና ብ3.1% ክሰፍሕን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድማ ብ4.4% ክዓቢ ይግመት።
ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ከም ዝገለጾ፡ መብዛሕትኦም ለኣኽቲ ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ፡ ምፍራይን ምጓዓዝን ጸዓት ናብ ንቡር እንተ ተመሊሱ፡ ዝመጽእ ዓመት ቍጠባዊ ዕብየት ከርእዩ እዮም።
ብተወሳኺ፡ እቲ ትካል ንቻይና ተተንብዩዎ ዝነበረ ዕብየት ካብ 4.5% ናብ 4.4% ኣውሪድዎ ኣሎ።
ዋጋ ነዳዲ ብምውሳኹ ዝተጠቐመት ሃገር ሩስያ ምዃና እውን ሓቢሩ። ቍጠባ ሩስያ ኣብዚ ዓመትን ዝመጽእ ዓመትን ብ1.1% ክዓቢ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


