ኣብ መንጎ ስግኣት ኲናትን ተስፋ ዲፕሎማስን ዝተቐርቀሩ ኢራናውያን

ሰለስተ ኢራናውያን ኣብ ጐደና ኣብ ጐድኒ ሞተር ብሽክልታ ድው ንዝበለ ወተሃደር እናሓለፋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብቲ ብበረድ ዝተሸፈነን ብኣኽራናት ዝተኸበበን ሰሜናዊ ምዕራብ ኢራን፡ ወቕቲ ጽድያ ንኣእዋም ኣልሞንድ ብጻዕዳ ዕምባባታት የግይጾም ኣሎ።

እቲ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ድማ ኣብ ጽርግያታት ዝያዳ ምንቅስቓስ ተሽከርከርት ክረኣያን ሓያሎ ኢራናውያን ናብ ዓዶም ክምለሱን ዕድል ፈጢሩ ይርከብ።

ሓደ ኣብ ባንክ ዝሰርሕ ሰያብ ሰብኣይ፡ ኣብቲ ቍሪ ዝበዝሖ ዶብ ቱርኪ ናብ ዓዱ ንምስጋር እናተጸበየ ከሎ፡ "ንሓደ ወርሒ ምስ ወደይ ኣብ ቱርኪ ጸኒሐ፡" ይብል።

ንሓሙሽተ ሰሙናት ዝቐጸለ ሓያል ኲናት ብናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ኣብ ዝተተከአሉ እዚ እዋን፡ ንዝነበረ ኵነታት ክገልጽ ከሎ፡ "ኣብቲ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገረይ፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤልን ኣመሪካን ንወተሃደራዊ ዒላማታት እምበር ንኣባይትን ንስቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን ኣይተንከፈን፡" ይብል።

ሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ ብወገና ብዓቢ ስክፍታ፡ "ቍሩብ ፈሪሐ ኣለኹ፡" ትብል።

እታ ወይዘሮ ብዛዕባ ስቓይ መንእሰያት ኢራን፡ ካብቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝወደቐ ደብዳብ ጀሚርካ ክሳብ እቲ ኣብ ጽርግያታት ዝዘውርን ህዝቢ ዘሸብርን ናይ ባሲጅ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘውርዶ ምፍርራሕ ብሓዘን ትገልጽ።

"ኵሉ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር እዩ፡" ድማ ትብል።

ገለ ሰባት ግን ኣብቲ ፖለቲካዊ ጸቕጥታት እዮም ዝያዳ ዘተኵሩ። ሓንቲ ቀይሕ ጃኬት ዝተኸድነት መንእሰይ፡ "እዚ ምቍራጽ ተዅሲ ኣይክቕጽልን እዩ፣ ኢራን ምቍጽጻር መጻብቦ ሆርሙዝ ከቶ ኣይክትሕደጎን እያ፡" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ ዝተፈነወ ምፍርራሕ

መራኸቢ ብዙሓን ኢራን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢራን ዝርከብ ካብ ታብሪዝ ናብ ዛንጃን ዝወስድ ጽርግያ፡ ዝዓነወ ድንድል ዘርኢ ስእሊ ይዝርግሓ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, IRNA News Agency

መግለጺ ስእሊ, መራኸቢ ብዙሓን ኢራን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢራን ዝርከብ ካብ ታብሪዝ ናብ ዛንጃን ዝወስድ ጽርግያ፡ ዝዓነወ ድንድል ዘርኢ ስእሊ ይዝርግሓ ኣለዋ

ናብ ርእሰ-ከተማ ቴህራን ኣብ ዝግበር ነዊሕ ጕዕዞ፡ ብዛዕባ ፕረዚደንት ኣመሪካን ኣዛዚ ሓይልታትን ዝዀነ ትራምፕ ከይሓሰብካ ክትሓልፍ ኣጸጋሚ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ንፎክስ ቢዝነስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ንዅሎም ድልድላትን ትካላት ሓይሊ ኤለክትሪክን ኢራን ክንድምስሶም ንኽእል ኢና፣ ከምኡ ክንገብር ግን ኣይንደልን ኢና፡" ክብል ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሚሳይል ዝዓነወ ድልድል ድማ ተኽከርከርቲ ናብ ቴህራን ንምእታው ብኻልኦት ጸበብቲ መንገድታት ክጥወያ ተገዲደን ኣለዋ።

እዚ ንስቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ካብ ምሁራት ሕጊ ዓቢ ነቐፌታ ይወርዶ ኣሎ።

ኣብ ዙርያ ከተማ ታብሪዝ፡ ብደብዳብ ዝዓነወ መዓስከር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ'ውን ይርአ።

ነቶም ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎም ጥንታውያን ህንጻታት ክትርኢ ከለኻ፡ እቲ ትራምፕ ብ7 ምያዝያ፡ "ሎሚ ምሸት ምሉእ ስልጣነ ሃዶሽ ክብል እዩ፡" ዝበሎ ኣሰንባዲ ቃል ናብ ኣእምሮኻ ይመጽኣካ።

ሓድሽ መሪሕነትን ዲፕሎማስያዊ 'ቀይሕ መስመራትን'

ካብ ለካቲት ጀሚሩ ኣያቶላ ዓሊ ኻመኒ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ስእሊ ሰለስተ መራሕቲ (ኣያቶላህ ሩሆላህ ኻመኒ፡ ዓሊ ኻመኒ፡ ከምኡ'ውን ወዱ ሞጅታባ ኻመኒ) ዘለዎም ባነራት ኣብ ጽርግያታት ተሰቒሎም ይርከቡ።

ሞጅታባ ኻመኒ ብሰንኪ መውጋእቱ ካብ ኣዕይንቲ ህዝቢ ተሰዊሩ እኳ እንተ ሃለወ፡ ድሕሪ'ዚ ኲናት ሓድሽ ፖለቲካዊ መርገጺ ኣብ ምንዳፍ ተራ ይጻወት ከም ዘሎ ይንገር።

ኣብ ኢስላማባድ፡ ኣብ መንጎ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስን መራሕቲ ኢራንን ዝተኻየደ ናይ 21 ሰዓታት ምስጢራዊ ዘተ፡ ዲፕሎማሲ ገና ከም ዘይሞተ የመልክት።

ካብ ዋሽንግተን ዝወጽኡ ጸብጻባት ግን ነዞም ዝስዕቡ "ቀይሕ መስመራት" የቐምጡ፤

  • ኢራን ንዅሉ ምምዕባል ንዩክለር ከተቋርጽን ትካላታ ከተፍርስን፣
  • ነቲ ኣዝዩ ዝረቐቐ ዩራንየም ከተረክብ፣
  • መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት ክትገብሮ ከምኡ'ውን
  • ንሓማስን ሕዝቦላህን እትህቦ ደገፍ ከተቋርጽ።

ኢራን፡ ን20 ዓመት ካብ ንጥፈታት ንዩክለር ከተቋርጽ ብኣመሪካ ንዝቐረበላ ጠለብ ውዱቕ ብምግባር፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዕረፍቲ ጥራሕ እያ ኣቕሪባ ዘላ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ 440 ኪሎ ግራም ዝኸውን ዝረቐቐ ዩራንየም ንምርካብ ዝቐረበ ጠለብ ብምንጻግ፡ ነቲ ዝነበራ 60 ሚእታዊት ዝረቐቐ ዩራንየም ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምቕያር ኣብ ዘቕረበቶ ሓሳብ ኣትኪላ ኣላ።

ኣብ ውሽጢ ኢራን ዘሎ ስምዒት፡ ህዝቢ ንነፍሲወከፍ መዓልቲ ብጥንቃቐ ይከታተላ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተቐተልሉ ተቓውሞን ገና ዘይተዛዘመ ዘሎ ግዳማዊ ኲናትን፡ ሓያሎ ኢራናውያን "እዚ ስምምዕ'ዚ መወዳእታ እቲ ሕማቕ እገዳን ናይ ለውጢ መጀመርታንዶ ይኸውን?" እናበሉ ብሃረርታን ስግኣትን ይሓቱ ኣለዉ።