ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት እሱራት ንምውጻእ ኣብ ዝገበሩዎ ስርሒት ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ፒክኣፕ ዝተጻዕኑ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ ኣባላት ኣድማ ብተና

ምንጪ ስእሊ, Gilgel Beles Town Administration

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ኣድማ ብተና ኣብ ከተማ ግልገል በለስ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፡ ዋና ከተማ ግልገል በለስ ዝርከብ "ቤት ማእሰርቲ ሰቢሮም ንምእታው" ዝፈተኑ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፡ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርትን ተወካሊ ባይቶ ናይቲ ከባቢን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ኣባል ባይቶ ዶ/ር መብራቱ ዓለሙን ከም ዘረድኡዎ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ግልገል በለስ ተዅሲ ዝኸፈቱ፡ ዓርቢ 24 ምያዝያ 2026 ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ እዩ።

ዶ/ር መብራቱ፡ እቶም ዕጡቓት "ንኸተማ ግልገል በለስ ከቢቦም ሓያል መጥቃዕቲ" ከም ዝኸፈቱ ብምግላጽ፡ ቀንዲ ዒላማኦም ግን ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ቤት ማእሰርቲ "ንምቍጽጻር" ምንባሩ ሓቢሩ።

ሓደ ነባሪ፡ "እቶም ንምእታው ዝፈተኑ ዕጡቓት ጉሙዝ እዮም። ዕላማኦም ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላቶም ንምፍታሕ እዩ፡" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ'ውን እቲ መጥቃዕቲ "ብዕጡቓት ጉሙዝ" ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።

ኣባል ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዶ/ር መብራቱ ብወገኑ፡ "ካብቶም ናብ ሰላም ክምለሱ ተሰማሚዖም ዝነበሩ፡ ግን ከኣ ደሓር 'ብሰላም ኣይንምለስን' ካብ ዝበሉ ወገናት ከም ዝዀኑ እዩ ዘለኒ ሓበሬታ ዘመልክት። ይዅን እምበር ምስ ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት ሓቢሮም ከም ዝመጽኡ'ውን ሓበሬታ ኣሎ፡" ኢሎም።

ሓደ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ዕጡቓት ምልውዋጥ ተዅሲ ዝጀመሩ ምስ ፓሊስ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ክኸውን እንከሎ፡ ድሒሮም'ውን "ብፖሊስ፡ ምልሻን ፈደራል ፖሊስን" ንዝተኽፈተሎም መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ሂቦም።

በዚ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ስርሖም እናካየዱ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ቤት ማሕረድቲ እንስሳታት ተቐቲሎም።

እቲ ቤት ማእሰርትን ቤት ማሕረድትን ኣብ ተቐራራቢ ቦታ ስለ ዝርከብ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ወጋሕታ ናብ ስራሕ ኣብ ዝወፍርሉ ዝነበሩ እዋን ብሃንደበት ኣብ ማእከል እቲ ተዅሲ ከም ዝኣተዉ ነበርቲ ይገልጹ።

ብተወሳኺ፡ ካብቶም ዕጡቓት ክልተ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካብ ምልሻ'ውን ሓደ ሰብ ከም ዝተሃርመ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቶም ዕጡቓት ነቲ ቤት ማእሰርቲ ሰቢሮም ኣትዮም እሱራት ንምፍታሕ ዝገበርዎ ፈተነ ከም ዘይተዓወተ ዶ/ር መብራቱ ገሊጹ።

"ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ፖሊስ መኪቶም ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈሽል ገይሮሞ እዮም፡" ኢሉ።

ዞባ መተከል ካብ 2018 ጀሚሩ ተኸታተልቲ መጥቃዕቲታት ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተዛማዲ ሰላም ሰፊንዎ ነይሩ እዩ።

ይዅን'ምበር፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዕጡቓት ጉሙዝን ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት እናወሰኹ ይመጽኡ ኣለዉ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ጥራይ ኣብ ወረዳ ቡለን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "20 ሰባት" ከም ዝተቐትሉ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ካብ ቤትጽሕፈት ህንጸት ሰላምን ጸጥታን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ይዅን ካብ ምምሕዳር ዞባ መተከል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን።