እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማላዊ ዳኛ ኵዕሶ እግሪ ንዋንጫ ዓለም ናብ ኣመሪካ ከይኣቱ ተኸልኪሉ
ሶማላዊ ዳኛ ኵዕሶ እግሪ ዑመር ዓብደልቓድር ኣርታን፡ ንመዛዘሚ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2026 ክዳኒ ፈላማይ ሶማላዊ ዳኛ ኮይኑ ብፊፋ ተመሪጹ ነይሩ።
ናብ ኣመሪካ ኣብ ዘመርሓሉ ግን መንግስቲ እታ ሃገር ከይኣቱ ስለዝኸልከሎ ናብታ ዝተበገሰላ ቱርኪ ክምለስ ተገዲዱ ኣሎ።
ብፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ [ካፍ] ካብ ኣፍሪቃውያን ዳያኑ ዝበለጸ ዳኛ ዓመት 2025 ኮይኑ ዝተመረጸ ዑመር፡ ኣብ ኣመሪካ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፍርቲ ሚያሚ ምስ በጽሐ'ዩ ከይኣቱ ብሰብ መዚ ኢሚግረሽን እታ ሃገር ተኸልኪሉ።
ሶማልያ ሓንቲ ካብተን ብምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዜጋታታ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ እገዳ ዝተነበረላ ሃገር'ኳ እንተዀነት ሰብ መዚ ኢሚግረሽን ኣመሪካ ግን ንዑመር ንምንታይ ምእታው ከምዝኸልከልዎ ብወግዒ ኣይሓበርዎን።
ፊፋ'ውን ምስ ሰብ መዚ ኣመሪካ ድሕሪ ምዝርራብ ድሮ ነቲ ዑመር ዓብደልቓድር ኣርታን ክዳንዮ ሰሪዕሉ ዝነበረ ጸወታታት ካልእ ዳኛ ክምድበሉ ተገዲዱ ኣሎ።
ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ዑመር ዓብደልቓድር ናብ ኣመሪካ ከይኣቱ ስለዝተኸልከለ ኣቐዲሙ ክለማመድን ንዋንጫ ዓለም 2026 ክዳኒ ከምዘይክእልን ኣረጋጊጽና ኣለና" ኢሉ።
"ፊፋ ኣብ ጉዳይ መስርሕ ኢሚግረሽን ኣአንገድቲ ሃገራት ኢዱ ከእቱ ኣይክእልን። እዚ ከኣ እንኮላይ ንቪዛ ምውሃብ ዘጠቓልል'ዩ። ሰብ መዚ ኣመሪካ ከኣ ኣብ ውሳነ ምምላሱ ንሕጂ ዝቕየር ነገር ከምዘይህሉ'ዮም ገሊጾሙልና።
ምስ ዝሓለፉ ፍጻመታት ፊፋ ብምርኣይ ከኣ፡ ሓንቲ ኣአንጋዲት ሃገር ኣብ መወዳእታ ንመን ቪዛ ትህብን ንመን ናብ ሃገራ ክኣቱ ትፈቅድን ንሳ'ያ ትውስን" ክብል ወሲኹ።
ሶማላዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ምኒስትሪ መንእሰያትን ስፖርትን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ዑመር ዓብደልቓድር ሕጋዊ ሰነዳት ሒዙ ናብ ኣመሪካ ከምዝኸደ ኣረጋጊጹ።
ብዓል መዚ ኤምባሲ ሶማልያ ኣብ ናይሮቢ'ውን ንኣርታን ካብ መጀመርታ ቪዛ ኣብ ምርካብ ዕንቅፋታት ምስ ኣጋጠሞ ብፍሉይ ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ከምዝተውሃቦ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ሶማልያ'ውን ህጹጽ መብርሂ ክውሃቦ ንሰብ መዚ ፊፋ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ካብ ዋይት ሃውስ ንፍሉይ ሓይሊ ዕማም ዋንጫ ዓለም 2026 ዝመርሕ ዘሎ ኣንድሪው ጉልያኒ ንምምላስ ዑመር ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ኣብ ዝገበሮ ቃልመሕተት፡"ናብ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክኣቱ'ኳ እንተዘይደለኹ፡ ብጉምሩክን ምክትታል ዶባትን ዝተዋህበ ቅኑዕ ውሳነ ከምዝነበረ ክነግረኩም እኽእል እየ። ነቲ ውሳነ ድማ እድግፎ'የ" ኢሉ።
ዑመር ካብቶም ነቲ ኣመሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ብሓባር ዘአንግድኦን ካብ 11 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ ዝካየድን 104 ጸወታታት ዘአንግድ ዋንጫ ዓለም ክዳንዩ ዝተሓርዩ 52 ደያኑ እዩ ነይሩ።
ኣርታን ካብ 2018 ጀሚሩ'ዩ ብፊፋ ወግዓዊ ናይ ዳንነት ወረቐት ተዋሂብዎ ኣባል ዳያኑ ፊፋ ኰይኑ። ኣብ ጸወታታት ኣፍኮን'ውን ደኛ ኰይኑ ኣጻዊቱ።
ኣብ ዓመተ 2025'ውን ኣብ ቺለ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ ዕስራ ዓመት ዳኛ ኰይኑ ከምዘጻወተ ይፍልጥ።