ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ትራምፕን ዘየሳነያ ሰለስተ ጕዳያት

ሓበራዊ ምስሊ ጳጳስ ሊዮን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐጥታ ንትራምፕ ቅድሚ ምንቃፎም፡ ኣብ መንጎ ቫቲካንን ዋይት ሃውስን ወጥሪ ካብ ዝሰፍን ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ነይሩ
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ መንጐ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለምን ፕረዚደንት ኣመሪካን ዝተጀመረ ዳርባ ቃላት ይቕጽል ኣሎ።

ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ደርበይቲ ቦምባታት" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኰኑን ዝብል ነቐፌታ ወርዊሮም ነይሮም።

እቲ መግለጺ ግን ንዶናልድ ትራምፕ ኣቘጢዑ። እቲ ፕረዚደንት በቲ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ኣብ ክንዲ ፖለቲከኛ፡ ዓቢይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንምዃን የተኵሩ" ብምባል ክምዕዶም ፈቲኑ።

እቶም መንፈሳዊ መራሒ ኣብ ጉዳይ "ገበን ድኹም" እዮም ዝበለ ትራምፕ፡ "ጸግዒ ሕሉፋት ጸጋማውያን" ኣለዎም ክብል ወቒሱ።

"ኣነ ኣብ ዋይት ሃውስ [ከም ፕረዚደንት] እንተዘይህሉ፡ ሊዮ ኣብ ቫቲካን ኣይምሃለወን።"

ኣቡነ ሊዮ መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገሽሉ ዝነበሩ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ'ውን ንግብረመልሲ ትራምፕ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ፤ "ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ቦታ ናጽነት ወይ እዋን ሰላም ኣይክፈጥርን እዩ" ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ኣብ ግንቦት 2025 ዝተመርጹ ፈላማይ ኣመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ - ቅድሚኡ ካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት ዝነበሩ – ኣብ መጀመርታ ካብቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ብተደጋጋሚን ብግልጽን ንምምሕዳር ትራምፕ ዝነቕፉ ዝነበሩ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዝተፈለየ ቍጡብ ቅዲ ሒዞም እዮም ስርሖም ጀሚሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐጥታ ንትራምፕ ቅድሚ ምንቃፎም፡ ኣብ መንጎ ቫቲካንን ዋይት ሃውስን ወጥሪ ካብ ዝሰፍን ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ፖሊሲ ጕዳይ ወጻኢ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ናይ ሕጂ ወጥሪ፡ ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ነዊሕ ጽሑፍ ንጳጳስ ሊዮ "ኣብ ገበናት ድዅም፡ ኣብ ጉዳይ ወጻኢ ድማ ሕማቕ፡" ብምባል ድሕሪ ምህዳዱ'ዩ ጀሚሩ።

"ኢራን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክህልዋ ጽቡቕ ዝመስሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣይደልን እየ፡" እውን ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "ኣመሪካ፡ ነታ ናብ ኣመሪካ ሰፊሕ ዕጸፋርስ ትሰድድ ዝነበረት ሃገር ቬንዙወላ ምጥቅዓ ዘይቅኑዕ ዝመስሎ ጳጳስ ኣይደልን እየ፤ ካብኡ ዝገደደ ድማ ናይ ባዕላ ኣብያተ ማእሰርቲ ናጻ ብምግባር ቀተልቲ፣ ነጋዶ ዕጸፋርስን ቀተልትን ናብ ሃገርና ተስግር ዝነበረት'ያ፡" ኢሉ።

እቲ ሪፓብሊካን ድሒሩ ብሰፊሑ ብኤኣይ ዝተመስርሐ ንነብሱ ንሓደ ሰብኣይ "ክፍውስ" ዝመስል የሱስ ዝመስል ስእሊ ለጢፉ።

እዚ ስጕምቲ ካብ መራሕቲ ሃይማኖትን ተዓዘብትን ነቐፌታ ኣስዒቡ። ነዚ ስዒቡ፡ ትራምፕ ነቲ ምስሊ ኣልዩዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፡ ቴህራን ብዛዕባ ኒዩክለሳዊ ዝርርብን መጻብቦ ሆርሙዝን ንዝቐረበላ ጠለባት እንተዘይተቐቢላ፡ ኣመሪካ "ስልጣነ ኢራን ክትድምስሶ ትኽእል እያ፡" ንዝብል መጠንቀቕታ ትራምፕ ድሕሪ ምዅናኖም ዝስዓበ'ዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ስግኣት፡ "ብሓቂ ተቐባልነት ዘይብሉ" ክብሉ ብምግላጽ፡ ካቶሊካውያን ንፖለቲካዊ መራሕቲ "ንሰላም ክሰርሑ" ጸቕጢ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንትራምፕ ብቐጥታ ብሽሙ ጸዊዖም እዮም ነቒፎም።

"ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ኲናት ከብቅዕ ከም ዝደሊ ከም ዝገለጸ ተነጊሩኒ፣ እዚ ንከይፈሽል ከም ዝገብር ድማ ተስፋ እገብር" ብምባል ብ31 መጋቢት ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም ነይሮም።

ብሰንበት እቶም ወዲ 70 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ምፍሳስ ደም ከብቅዑ ንመራሕቲ ዳግማይ ለሚኖም፣ ነቲ ንኲናት ዘጕሃህር "ምድንጋር" ኢሎም ዝገለጹዎ ነገር ድማ ኰኒኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ናይ በዓል ልደት ስብከቶም ብዛዕባ "ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዳሳት፡ ንዝናብን ንፋስን ቁሪን ዝተቓልዑ" ሰባት ተዛሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ናይ በዓል ልደት ስብከቶም ብዛዕባ "ኣብ ቓዛ ኣብ ቴንዳታት ዝርከቡ፡ ንዝናብን ንፋስን ቁሪን ዝተቓልዑ" ሰባት ተዛሪቦም

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓለፈ ዓመት ምስ ተመርጹ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ቓዛ ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል፣ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ገደብ ዘይብሉ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበርን ጸዊዖም ነይሮም።

ኣብ ነሓሰ 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ነቲ "ሓባራዊ መቕጻዕቲ" ዝበልዎን ፍልስጤማውያን ብግዴታ ምፍንቓልን ኰኒኖም፣ ኵነታት ቓዛ እዉን "ቅቡል ዘይኰነ" ክብሉ ገሊጾም።

መራሒ 1.4 ቢልዮን ካቶሊካውያን ዓለምና ዝዀኑ ጳጳስ ሊዮ፡ ኣብ ናይ በዓል ልደት ስብከቶም ብዛዕባ "ኣብ ቓዛ ኣብ ቴንዳታት ዝርከቡ፡ ንዝናብን ንፋስን ቁሪን ዝተቓልዑ" ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።

ኣብቲ እዋን'ቲ ትራምፕ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ብዛዕባ ቓዛ ብግልጺ እኳ እንተዘይተጋጨወ፡ ዲፕሎማሰኛታት ቫቲካን ግን እቶም ጳጳስ ነዚ ዝያዳ ናይ ሞራልን ሕግን መልክዕ ክሕዝ ምግባሮም ምቾት ከም ዘይፈጠረሉ ብግልጺ ኣንጸባሪቘም'ዮም።

እዚ ድማ ብሰፊሑ በዳሂ ኣካይዳ ኣመሪካን እስራኤልን ተባሂሉ ተተርጒሙ።

ከምኡ'ውን ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንፕረዚደንት ቬንዝወላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ካራካስ ኣሲሮም ናብ ኒውዮርክ ምስ ኣምጽእዎ፡ ስክፍታኦም ኣስሚዖም።

"ጽቡቕ ናይቲ ፍቑር ህዝቢ ቬንዝወላ፡ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ካልእ ዳግመ-ግምታትን ዓመጽን ክንስዕርን መንገድታት ፍትሕን ሰላምን ክንወስድን ክመርሓና ኣለዎ፡" ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ብተወሳኺ ልኡላውነት ቬንዝወላ ክኽበር፣ ኣብ ቅዋም ዝተቐመጠ ልዕልና ሕጊ ክሕሎ፣ ሰብኣውን ሲቪላውን መሰላት ምሉእ ብምሉእ ክኽበርን ኣተሓሳሲቦም።

ኢሚግሬሽን

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ሊዮ፡ ነቲ ቀይዲ በተኽ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ትራምፕ ብተደጋጋሚ ይነቕፍዎ

ኢሚግሬሽን ካልእ ዓቢ ምንጪ ምትፍናን ክልቲኦም ወገናት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ነቲ ትራምፕ ዝኽተሎ ቀይዲ በተኽ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ትምህርቲ ወንጌል ብዛዕባ ርህራሀን ክብርን ዝተሰረተ ሞራላዊ ግዴታ እዩ ኢሎም ይቐርጽዎ።

ኣብ ሕዳር 2025 ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ወጻእተኛታት "ኣዝዩ ኣኽብሮት ብዘይብሉ ኣገባብ" ይትሓዙ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

እዚ ነቲ ብጳጳሳት ካቶሊካውያን ኣመሪካ ዝሃብዎ መግለጺ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ ንጃምላዊ ምስጓግ ዝነቅፍን ብሰንኪ ወፍሪ ኢሚግሬሽን ዝመጽእ ፍርሕን ጭንቀትን ዘጠንቅቕን እዩ ነይሩ።

"ንሰባት ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እንገብረሉ መንገዲ ክንደሊ ዘለና ይመስለኒ፡" ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፡ "ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሰባት መንን ብኸመይን መዓስን ከም ዝኣትዉ ክትውስን መሰል ኣለዋ፡" ክብሉ ተኣሚኖም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሃቡዎ መደረ ድማ፡ ካቶሊካውያን ንስደተኛታት "ብዘይምግዳስ ወይ ብጸለመ ኣድልዎ" ከይሕዝዎም ተማሕጺኖም።

ድሒሩ ድማ ፖሊሲታት ትራምፕ ምስቲ ንህይወት ዝድግፍ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝሰማማዕ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም።

እቲ ዘረባታት እዚ፡ ካብ ዓቃባውያን ካቶሊካውያን ሰባት ነቐፌታ ኣስዓቡ'ዩ።

ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ስልጣንን

ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ካብ ጕዳይ ፖሊሲ ​​ወጻኢ ዝሓለፈ'ዩ ነይሩ።

እቶም ጳጳስ፡ ካብ ሓላፍነቶም ወጻእ ከም ዝኸዱ ብምንቃፍ፡ "ኣነ ነቲ ዝተመርጽ ኵሉ ነገር ይገብር ስለ ዘለኹ፡ ንፕረደዚንት ኣመሪካ ዝነቅፍ ጳጳስ ኣይደልን እየ፡" ኢሉ።

ትራምፕ፡ እቶም ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ "ኣነ ኣብ ዋይት ሃውስ እንተዘይህሉ ነይረ፡ ሊዮ ኣብ ቫቲካን ኣይምሃለወን፡" ኣመሪካዊ ስለ ዝዀኑ ጥራይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ክምረጹ ምኽኣሎም ኣመላኺቱ።

ድሒሩ መብርሂ ክህብ ብጋዜጠኛታት ምስ ተሓተተ፡ "ኣዝዩ ጽቡቕ ስራሕ ዝሰርሕ ዘሎ ኣይመስለንን። ገበን ይፈቱ'ዩ -'መስለኒ፡" ኢሉ።

ትራምፕ ካብ ፍሎሪዳ ናብ ዋሽንግተን ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣነ ኣድናቒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣይኰንኩን፡" ክብል ተዛሪቡ።

ይዅን እምበር ኣቡነ ሊዮ መበል 14 ብሰኑይ ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገሽሉ ዝነበሩ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ'ውን ንግብረመልሲ ትራምፕ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ።

ብውልቂ ምስ ትራምፕ ክዋስኡ ፍቓደኛ ከም ዘይኰኑ ሓቢሮም።

"ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኰንኩን፣ ምስኡ ድማ ናብ ክትዕ ክኣቱ ኣይደልን። ሰላም፡ ዘተን ብዙሕነታዊ ምትእስሳርን ንምድንፋዕ ስለ ዝደሊ፡ ኣንጻር ኲናት ብትሪ ክዛረብ እየ።"

ወሲኾም ድማ "ንምምሕዳር ትራምፕ ኣይፈርሖን፡" ብምባል ወንጌል ንምክልኻል "ዓው ኢሎም" ምዝራብ ከም ዝቕጽሉ ገሊጾም።

ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ 55% ካቶሊካውያን መረጽቲ ንትራምፕ ከም ዘድመጹ ኣሶሼይትድ ፕረስ ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት።

ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ሓዊሱ ካቶሊካውያን ኣስታት ሓሙሽተ ኢድ ህዝቢ ኣመሪካ ከም ዝሕዙ ቈጸራ ህዝቢ ኣመሪካ ይሕብር።

ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ዓቃባውያን ወንጌላውያን መራሕቲ ፕሮቴስታንት እውን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኲናት ኢራን ብሃይማኖታዊ ኣገላልጻ እናቐረጾ ይኸይድ ኣሎ።

ተዓዘብቲ እንታይ ይሓስቡ?

ትራምፕ ንነብሱ ከም የሱስ ዘምሰሎ ብኤኣይ ዝተመስርሐ ምስሊ ጠቂዑ - ድሒሩ ኣልዩዎ - እዚ ድማ ካብ መራሕቲ ሃይማኖትን ተዓዘብትን ነቐፌታ ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Social media

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ንነብሱ ከም የሱስ ዘምሰሎ ብኤኣይ ዝተመስርሐ ምስሊ ጠቂዑ - ድሒሩ ኣልዩዎ - እዚ ድማ ካብ መራሕቲ ሃይማኖትን ተዓዘብትን ነቐፌታ ኣስዒቡ

ክኢላታት፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ንእንሪኦ ዘለና ትራምፕን ፖሊሲ ጕዳይ ወጻኢ እቲ መራሕን ሚዛን ንምትሓዝ፡ እቶም ጳጳስ ኣብ ቃናን ዝኽተሉዎ ኣገባብን ለዉጢ ክገብሩ ከም ዘገደዶም ይገልጹ።

ንቫቲካን ብቐረባ ዝከታተል ኢጣልያዊ ምሁር ማሲሞ ፋጅዮሊ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣመሪካዊ ስለ ዝዀነ ቫቲካን ኣብ ትራምፕነት ዝተለሳለሰ መርገጺ ኣርእያ ተባሂሉ ክትክሰስ ዝደሊ ኣይመስለንን።"

"ሊዮ ክዛረብ ከሎ ኵሉ ግዜ ይጥንቀቕ'ዩ፡" ዝብል ፕሮፌሰር ትሪኒቲ ኮሌጅ ዳብሊን ፋጅዮሊ፡ "እዚ ሃንደበታዊ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

ናይ ቀረባ መሓዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ካርዲናል ቺካጎ ብሌስ ኩፒች ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ መራሕቲ ዓለም ካብ ውግእ ክምለሱ ዝላበዉ ነዊሕ ልምዲ ጳጳሳት የቐጽሉ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

"እቲ ዝተፈለየ ... ድምጺ ናይቲ መልእኽተኛ'ዩ፡ ንሕጂ ኣመሪካውያንን መላእ እንግሊዝኛ ዝዛረብ ዓለምን ነቲ መልእኽቲ ብዝፈልጥዎ ኣዘራርባ ይሰምዕዎ ኣለዉ፡" ኢሉ።

መራሒት ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሰላም ፓክስ ክሪስቲ ነበር ማሪ ደኒስ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃብዎ ርእይቶታትን ንትራምፕ ዘቕረቡዎ ቀጥታዊ ጻውዒትን "ብቐጻሊ ዓመጽ ዝተሰብረ ልቢ ዘንጸባርቕ እዩ፡" ኢለን።

በዚ "ዘይዛሪ ዓመጽ ንዝደኸሙን ተባዕ ኣመራርሓ ንዝናፈቑን እዮም ዝደልዩ ዘለዉ፡" ኢለን።