ውዕል ምብቃዕ ውግእ ኢራን፡ ናብ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ክመርሕ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምስ ኣመሪካ ዝግበር ውዕል ንምብቃዕ ውግእ ኣብ ኢራን ቀሪቡ ከም ዘሎን ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ዘጠቓልልን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ገሊጹ።
ምኒስተር ዓባስ ዓራግቺ ንሃገራዊ ተለቪዥን ከም ዝገለጾ፡ እቲ ውዕል ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ምልዓል'ውን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ ብዛዕባ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዝግበር ዘተ ግን ጸኒሑ ክጅምር እዩ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ገለ ካብ ዝርዝራት ናይቲ ስምምዕ ብምርግጋጽ፡ ቍጠባዊ ረብሓታት ኢራን ኣብቲ እተማልኦ ግዴታታት ዝተመርኰሰ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ ኲናት ብ28 ለካቲት 2026 ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ኢራን ዝጀመረ ኰይኑ፡ ንኢራን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ፈተውቲ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራትን መጥቃዕቲ ንኽትፍጽም ኣለዓዒሉዋ እዩ።
እዚ ድማ ነቲ ንመጓዓዝያ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና ኣገዳሲ መስመር ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ብውጽኢታዊ መንገዲ ዓጽዩዎ እዩ።
ኣብ ምያዝያ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ እኳ እንተ ከኣላ፡ ኣመሪካን ኢራንን ሓሓሊፈን ምልውዋጥ ተዅሲ ኣካይደን እየን። ኣብዛ ሰሙን እዚኣ እኳ ክልተ ሳዕ ሕድሕድ መጥቃዕትታት ኣካይዶም ነይሮም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሓሙስ ከም ዝገለጾ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ መጥቃዕትታት ሰሪዝዎ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ እቶም ወከልቲ ዘተ "ዓቢ ስምምዕ" ስለ ዝገበሩ እዩ - እዚ ውዕል እዚ ድማ ብቕልጡፍ ክፍረም ተኽእሎ ኣለዎ።
ብዓርቢ፡ ማዕከናት ዜና ኢራን ገለ ዝርዝራት ናይቲ 14 ነጥብታት ዘለዎ ዝተባህለ ውዕል ዘርጊሐንኦ ኣለዋ።
ትራምፕ ግን እዚ ምስቲ "እተሰማማዕናሉ ውዕላት ምንም ርክብ የብሉን፣" ከምኡ'ውን "ምስ ሓቂ ዘራኽብ የሎን" ክብል ገሊጹዎ።
ድሕሪ ውሑዳት ሰዓታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዝተገብረ መዘክር ምርድዳእ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑን ናይ መወዳእታ ውሳነ ይጽበን ከም ዘሎ ገሊጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓራግቺ ኣብ ሃገራዊ ማዕከናት ዜና ከም ዝተጠቕሶ፡ እቲ ዛዛሚ ውዕላት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኢራን፡ "ደገፍትን ተቓወምትን" ከም ዘለዉዎ ገሊጹ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ይዅን እምበር፡ ሓባራዊ ውሳነ ከም ዘይተበጽሐ ወሲኹ ገሊጹ።
"ንሕጂ ክንጽበ ኣሎና፣ እንተ ጸዲቑ፡ እቲ ውዕል ክፍረም እዩ፡" ኢሉ።
እስራኤል፡ ኣብዚ ንምንዋሕ ምቍራጽ ተዅሲ ዝዓለመን ኣብ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያትን ኢዳ የብላን።
ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ኢራን ብሃገራት ምዕራብ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ትፍትን ኣላ ተባሂላ ክትክሰስ ጸኒሓ እያ። ቴህራን ግን ነቲ ክስታት ብምንጻግ፡ መደባታ ንሰላማዊ ዒላማታት ምዃኑ ትገልጽ።
ብዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተገብረ ዝርዝራዊ መግለጺ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ እቲ ውዕል መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክርሖ ክገብር እዩ። ኣመሪካ ድማ ከም ኣምሳያኡ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕሎ እያ።
እዞም ስጕምትታት እዚኣቶም ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክዀኑ እዮም።
ብድሕሪኡ ድማ ን60 መዓልታት ኣብ ምምዕባል ዩራንየም ኢራን ዘተኰረ ዘተ ክቕጽል እዩ።
ሰበስልጣን ከም ዝገለጹዎ፡ እዚ ኵሉ ንዋት'ዚ ኣብቲ ቦታ ክጣፋእን ካብታ ሃገር ክእለንን ከም ዝግበር ገሊጾም። ይዅን እምበር እቲ ልክዕ መስርሕ ከመይ ከም ዝኸውን ገና ይስርሓሉ ኣሎ።
ኣብ ቍጠባዊ መዳይ፡ ሰበስልጣን ኣብ መጀመርታ ዝዀነ ገንዘብ ከም ዘይወሃብ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ - እዚ ድማ ገለ ካብ ሃብቲ ኢራን እቲ ቀንዲ ዘተ ቅድሚ ምጅማሩ ክለቀቕ እዩ ዝብል ናይ ቀደም ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኢራን ዝነጸገ ይመስል።
ኣብ ክንድኡ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ከም ዝገለጹዎ፡ ኢራን ናብቲ ዓለማዊ ቍጠባ ደረጃ ብደረጃ እትጽንበረሉ መስርሕ ክህሉ እዩ። እዚ ድማ ከም ምልዓል እገዳታትን ሃብቲ ገንዘብ ደረጃ ብደረጃ ምልቃቕን ዝኣመሰሉ ስጕምትታት ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ውዕል፡ ኢራን ነቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ብውክልና ዝዋግኡ ከም ሕዝቦላህን ካልኦት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ጕጅለታት ፋይናንሳዊ ደገፍ ምሃብ ከተቋርጽ ይጽውዕ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
