ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ 'ሓያል' ኤል ኒኖ የጠንቅቕ፡ ሃገራት ንሳዕቤናቱ ይዳለዋዶ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Luis Tato/AFP/Getty Images
ዓለም ናብቲ "ሓደገኛ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር" ምእታዋ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣጠንቂቑ።
እዚ መጠንቀቕታ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሳዕቤናት እቲ ኤል ኒኖ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኵነታት ኣየር ኣብ መላእ ዓለም ክርአ ድሕሪ ምጅማሩ እዩ።
ዓለማዊ ውድብ ስነ-ኵነታት ኣየር (WMO) ዘውጽኦ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ኤል ኒኖ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ካብ ዝተርኣየ ዝሓየለ ክኸውን ከም ዝኽእልን እንተ ወሓደ ድማ ክሳብ ለካቲት 2027 ክጸንሕ ከም ተኽእሎ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።
ኤል ኒኖ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርአ ኵነታት ኣየር ዝቕይር ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ደርቂ ከስዕብ ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ዕልቕልቕ ማይን ይፈጥር።
ክኢላታት ስነ-ኵነታት ኣየር ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ብሰንኪ ንጥፈታት ወዲ-ሰብ ዝመጽአ ለውጢ ክሊማ ዘስዓቦ ሙቐት ከይኣክል፡ ኤል ኒኖ ተወሲኹዎ ኣብ ሓያሎ ቦታታት እቲ ሙቐት ክንህር እዩ።
"ኤል ኒኖ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና 'ብርቱዕ' ይኸውን ኣሎ። ስነፍልጠታዊ መረዳእታታት ንጥርጣረ ቦታ የብሎምን፤ ፕላኔትና ናብ ዘይተፈልጠ ሓደገኛ ኵነታት ትኣቱ ኣላ፣ ሙቐት እቲ ማያት ድማ ይንህር ኣሎ፡" ክብል ጉተረዝ ገሊጹ።
ቢቢሲ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ስነፍልጠተኛታትን ብምዝርራብ፡ ሓደጋ ሞት፡ ምምዝባልን ከባቢያዊ ዕንወትን ንምንካይ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጕምቲታት ተዓዚቡ ኣሎ።
ናይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ስርዓታት ተጠናኺሮምን ቅድመ-ጥንቃቐ ሕክምናዊ ሓገዛት ተዳልዮምን እኳ እንተለዉ፡ ሓይሊ ናይዚ ፍጻመ'ዚ ግን ብፍላይ ነቶም ተነቀፍቲ ወገናት ዘስግእ ኰይኑ ኣሎ።
ውድብ ስነ-ኵነታት ኣየር (WMO) - ሓደ ካብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት - ትንቢታት ኵነታት ኣየር ኤል ኒኖ ንዅሉ ሕብረተሰብ ንምብጻሕ "ዓቢ ምንቅስቓስ" ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ሰለስተ ሳውሎ ከም ዘጠንቀቐቶ፡ "ኤል ኒኖ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሕብረተሰባትን ቍጠባን ከቢድ ስምብራት ናይ ምውራድ ዓቕሚ ኣለዎ፡" ኢላ።
ተፈጥሮኣዊ ተርእዮን ስግኣት ሙቐትን

ኤል ኒኖ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝፍጠር ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኰይኑ፡ ምስ ምቕያር ዋሕዚ ንፋስ ዝተኣሳሰር እዩ። እዚ ድማ ሙቐት ዘለዎ ማይ ናብ ምብራቕ ክውሕዝን ኣብ ከባቢ ኣየር ሙቐት ክለቅቕን ይገብር።
ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ትሮፒካዊ ፓስፊክ ዝርአ ዘሎ ናይ ባሕሪ ሙቐት ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብኸቢድ ወሲኹ ኣሎ።
ኣብቲ ቀንዲ ናይ ምክትታል ከባቢ ፓስፊክ፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ማይ፡ ሙቐት ካብቲ ንቡር ብ2 ደረጃ ሰልሰስ ወሲኹ ኣሎ፤ እዚ ድማ "ኣዝዩ ሓያል" ተርእዮ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ተርእዮ ካብዚ ንላዕሊ ክኸይድ ትጽቢት ይግበር። ብመሰረት ግምታት ኵነታት ኣየር፡ ላዕለዋይ ክፋል ማይ ባሕሪ ወርሓዊ ካብቲ ንቡር ብ4 ደረጃ ሰልሰስ ሙቐት ክውስኽ ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ካብ 1950 ጀሚሩ ንዝተራእየ ኤል ኒኖ ብዓቢ ፍልልይ ዝበልጽ ክኸውን እዩ።
ኣብ ገለ ዓሚቝ ቦታታት እቲ ውቅያኖስ ድማ እቲ ሙቐት ካብቲ ንቡር ልዕሊ 8 ደረጃ ሰልሰስ ወሲኹ ይርከብ። እዚ ወሰኽ ሙቐት'ዚ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ትሮፒካዊ ኣትላንቲክን ገለ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያን እውን ክርአ ትጽቢት ይግበር።
ሳዕቤናት ኣብ ውቅያኖስን ባሕርን

ኣውስትራልያ በቲ ኣብ ውቅያኖስ ዝርአ ዘሎ ሓያል ሙቐት ኣዝያ ተሻቒላ ኣላ። እዚ ተርእዮ'ዚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ኣኻውሕ ባሕሪ (ኮራላት) ከቢድ ጉድኣት ኣብጺሑ እዩ።
ኣብ ትካል ስነፍልጠት ኣውስትራልያ ዋና መርማሪ ዶክተር ኣሊስተር ሆብደይ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ "ኤል ኒኖ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ እዩ፤ እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ሓደጋታት ዘስዕብ ሙቐት ሒዙ እዩ ዝመጽእ።"
ኣብዛ ዓመት'ዚኣ፡ ትንቢታት ሙቐት ባሕሪ ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ዓቢ ኮራል ካብቲ ዝኸፍአ ኵነታት ክድሕን እዩ።
ይዅን እምበር፡ ደቡባዊ ኣውስትራልያ ብኸቢድ ይጥቃዕ ኣሎ።
ሆብደይ ከም ዝበሎ፡ "ደቡባዊ ኣውስትራልያ ብኸቢድ ይጥቃዕ ኣሎ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምልባዕ ሓሙዅሽቲ ባሕሪ ነይርዎ፡ ሕጂ ድማ ኢንፍሉወንዛ ኣዕዋፍ ኣለዎ፡ ኣብዚ ሓጋይ ድማ ማዕበል ሙቐት ባሕሪ ክሕይል እዩ።"
ኣውስትራልያ ኣብ ቀረባ ግዜ ንሓደጋታት ባሕሪ ዝኸውን ናይ ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ስርዓታት ኣተኣታትያ ኣላ። እንተዀነ፡ እዚ ፍጻመ'ዚ ታሪኽ ዘይፈልጦ ብምዃኑ፡ ሆብደይ ከም ዘስግኦ ገሊጹ ኣሎ።
ደርቂ፡ ባርዕ ጫካን ኣብ ንግዲ ዝፈጥሮ ዕንቅፋትን
ምቅይያር ኵነታት ኣየር ኤል ኒኖ ክሳብ 2027 ክጸንሕ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝመጽኡ ሒደት ኣዋርሕ ግን ኣብ ዝናብ ዓቢ ለውጢ ከም ዘምጽእ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ፡ ማእከላይ ኣመሪካን ሰሜናዊ ክፍሊ ደቡብ ኣመሪካን ካብቲ ንቡር ዝወሓደ ዝናብ ክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ንሓደጋ ደርቅን ባርዕ ጫካን የቃልዕ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ፡ ሰበ-ስልጣን መትረብ ፓናማ ብመንገዲ እቲ መትረብ ዝሓልፋ መራኽብ ብ10 ሚእታዊት ክንክዩ ወሲኖም ኣለዉ። እዚ ድማ ንዓለማዊ ቍጠባን እቶት ፓናማን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።
ኢንዶነዥያ እውን ነቲ ኣብዚ ወቕቲ ደርቂ ልዕሊ 107,000 ሄክታር መሬት ዘቃጽል ባርዕ ንምቍጽጻር ትቃለስ ኣላ።
ኣብ ማእከላይ ካሊማንታን ዝነብር ዳርዊን ሮሚ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ "እቲ ትኪ ኣዝዩ ጽዑቕ ኰይኑ ኣሎ፤ ናብ ደገ ክንወጽእ ከለና ኣዒንትና የሕምመና፡ ጨና እቲ ትኪ እውን ኣዝዩ ሓያል እዩ።"
መንግስቲ እታ ሃገር ዝናብ ንምውቃዕ (cloud-seeding) ነፈርቲ ይጥቀም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሓደጋታት ህቦብላ ንፋስን ዕልቕልቕን

ቻይና ኣብዛ ዓመት እዚኣ ጥራይ ሸውዓተ ብርቱዓት ማዕበላት (typhoons) ክሃርምዋ ትጽቢት ትገብር። እዚ ድማ ምስቲ ሓያል ኤል ኒኖ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብ ሓምለ ጥራይ ሰለስተ ማዕበላት ኵነታት ኣየር ኣብታ ሃገር ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲሎም እዮም።
ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ብራዚልን ደቡብ ኣመሪካን ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ዝናብ ክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ሓደጋ ዕልቕልቕ ማይ ከም ዘስዕብ ተገሚቱ ኣሎ።
"ብሰንኪ ደርቅን ዕልቕልቕን ዝመጽእ ዕንወት ድሮ ንርእዮ ኣለና፤ ኤል ኒኖ እናሓየለ ምስ ከደ ድማ እዚ ጽልዋታት'ዚ ክውስኽ እዩ፡" ክትብል ፕሮፌሰር ሰለስተ ሳውሎ ገሊጻ።
ፔሩ ብሰንኪ እቲ ምስ ምብራቕ ፓስፊክ ዝዳወብ ገማግም ባሕሪ፡ ብፍላይ ንኤል ኒኖ ተቓላዕቲ ካብ ዝዀና ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ሓያል ዝናብ፡ ምፍራስ መሬትን ዕልቕልቕን ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ኣብ ትካል 'ፕራክቲካል ኣክሽን' ክኢላ ሚጌል ኣሬስተጊ ከም ዝበሎ፡ "ኣዚና ሰጊእና ኣለና፤ እንተዀነ እቲ ስግኣት ናብ ምድላው ክቕየር ኣለዎ።"
ኣመሪካ ነዚ ንምግጣም ወታሃደራዊት መርከብ ሕክምና USNS Comfort ናብ ገማግም ፔሩ ንምልኣኽ ወሲና ኣላ።
ኣሬስተጊ ግን እቲ ጸገም ምስቲ ኤል ኒኖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቶም ቀጻሊ ጸገማት ዝዀኑ ሕማቕ ስርዓተ-ፈሳሲ፡ ድኹም ትሕተ-ቕርጺ ህንጻታትን ድኹም ስርዓት ጥዕናን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


