ቢንያም ግርማይ ብዛዕባ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣፍሪቃን እንታይ በለ?

ቢንያም ግርማይ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ወድድር ብሽክለታ ሻምፕዮና ዓለም ዝሳተፍ ዘሎ ፍሉጥ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ብዛዕባ ኵነታት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣፍሪቃን ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰኸተማ ኪጋሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ እኹል ዕድላት ዘይምርካቦም ንተሳተፋነት እታ ኣህጉር ከም ዝድርቶ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ስፖርት ብሽክለታ ዓለም ብቐዳምነት ዝስራዕ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ናይ መድረኸ ዓወታት ከመዝግብ ዝኸኣለን ቀጠልያ ማልያ ዝወነነን እንኮ ኣፍሪቃዊ ዝዀነ ቢንያም፡ ድሒሩ'ዩ ናብዚ ኣብታ ኣህጉር ዝካየድ ዘሎ ፈላሚ ቻምፕዮና ዓለም ከም ዝሳተፍ ተፈሊጡ።

ማልያ ጋንታኡን ሃገሩን ለቢሱ ክቀዳደም፡ "ኵሉ ሳዕ ሓበን ይስምዓኒ፡" ዝበለ ቢንያም፡ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝግበር ውድድራት ክሳተፍ ከም ዝደሊ ይገልጽ።

"ሃገራዊት ጋንታ [ኤርትራ] ኣብዚ ብምስታፍ ነታ ጋንታ ክድግፋ ምስ ሓተቱኒ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተቐቢለዮ። ስለዚ ድማ'የ ናብዚ መጺአ፡ ንደቂ ጋንታይ ንምሕጋዝ፡" ኢሉ።

"ከም ንፈልጦ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ብሽክለታ ተጋዳስነት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ኰይና፡ ብሽክለታ ኣብ ኤርትራ ባህሊ'ዩ፡" ክብል ኣብርሂ።

"ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዙሕ ቅድድማት'ዩ ዘሎና፣ እዚ ቀንዲ ረቛሒ ድማ'ዩ ንኤርትራ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበለጸት ክትከውን ዝገብራ።"

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ "ሃገራዊ ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ክሊማዊ ተበግሶን ምሕያል መንእሰያት ኣብ ኤርትራ" ክኸውን ብትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ (UNDP) ዝተመዘዘ ቢንያም፡ ንዘሎ ድሩት ዕድል ስፖርት ብሽክለታ ኣብ ኣፍሪቃ ንምስፋሕ ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ ኢሉ።

"ንብሽክለታ ንምምሕያሽን ንምምዕባልን ብዙሕ ወጻኢታት ኢና ንገብር ዘለና፡ ኵሉ ሰብ'ዩ ዝሰርሓሉ።

"ብርግጽ ግን፡ ብዙሕ ዕድል እንተ ዝፍጠርን ዕብይ ዝበለ ወፍሪ እንተ ዝግበርን ብዙሓት ተቐዳደምቲ ምፈረዩ። ተስፋ እገብር እዚ ውድድር እዚ ኣፍሪቃ ንኽትዓቢ ይሕግዝ ይኸውን።"

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝፈለመ ሻምፕዮና ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1921 ኣብ ሃገረ ሽወደን ክካየድ ካብ ዝጅመር፡ ን91 ግዜ ኣብ ካልእ ኣህጉራት ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ'ዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ክካየድ።

ኣብቲ ካብ 21 ክሳዕ 28 መስከረም ዝካየድ ውድድር ኣብ ክልቲኡ ጾታ በብኽሊ ዕድመ ብሓፈሻ 13 ውድድራት'ዩ ክህሉ።

ቢንያም ግርማይ

ርዋንዳ ኣብ 2021 ነዚ ውድድር ከተአንግድ ምስ ተሓረየት፡ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ውድድር ክሳተፋ ክፉት ዕድመ'ዩ ቀሪብለን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ክልቲኡ ጾታ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣስታት 150 ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኮንቲነንታል፡ ፕሮኮንቲነንታልን ዎርልድ ቱር ጋንታታን ይጻወቱ ኣለዉ።

ኤርትራ ከኣ ብነጥብን ኣብ ላዕለዎት ጋንታታት ብዘለዉዋ ተጻወትትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ። ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሪሽየስን ሞሮኮን ከኣ ብቕድም ተኸተል ድሕሪ ኤርትራ ዝተሰርዓ እየን።

እንተዀነ፡ ኣብታ 'ሃገረ ኣእላፍ እምባታት' እናተባህለት እትጽዋዕ ሃገረ ርዋንዳ ዝተሰርዐ ናይ ውድድር ቦታታት ንኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ዝጥዕም ከም ዘይከውን ብኣጋኡ ተገሚቱ ነይሩ።

ኣፍሪቃ ነዚ ውድድር እዚ ምእንጋዳ ንቕድድም ብሽክለታ እታ ኣህጉር ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, GOLAZO

ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ንኣሽቱ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ምምልማል ዝሰርሕ 'ቲም ኣፍሪካን ራይዚን' ዝተሰመየ ተበግሶ ዝዀነ ኪምበሊ ኮትስ ቅድሚ ውድድር ምጅማሩ ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት ንዕብየት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክሰርሑ ዝጸንሑ ዓቢይ ሓበን'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

"እዚ ውድድር ኣብ መላእ እዛ ኣህጉር ዝርከባ ፈደረሽናት ንነዊሕ ወጢነን ከየባተኻ ምትብባዕ ክፈጥራ ዝድርኽ'ዩ፣ ንዓና ከኣ ንሱ'ዩ ተስፋና፡" ኢሉ።

ንብዙሓት ንኣሽቱ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብዚ ውድድር እዚ ምስታፎም ጥራይ ዝፈጥረሎም ፍናን ዓቢይ'ዩ።

እተን ንኤርትራ ተኸቲለን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሓሙሽተ ሃገራትን እተን ካብ ሻዱሻይ ክሳዕ ዓስራይ ዝርከባ ሃገራት በኒን፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ ናምብያን ኡጋንዳን፡ እዚ ውድድር ብዓለም ዘለወን ደረጃ ከርእየንን ኣብ ምምዕባል ስፖርት ክገብራኦ ዘለወን ዕዮ-ገዛ ዘስንቐን ውድድር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።