ኔዘርላንድስ ስለምንታይ ብቢልዮናት ዝግመት ወርቃ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ናብ ለንደን ኣግዒዛ?

ሰሌዳ ወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዝበዝሕ ወርቂ ኣብ ኒውዮርክ ተሸይጡ፡ ዳግማይ ኣብ ለንደን ተዓዲጉ። ልዕሊ 27 ቶን ወርቂ ድማ ናብ ዓባይ ብሪጣኒያ ግዒዙ።
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ማእከላይ ባንክ ኔዘርላንድስ (DNB)፡ "እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ" ከም ምኽንያት ብምጥቃስ፡ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ወርቂ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ኣውጺኡ ናብ ለንደን ከም ዘግዓዘ ኣረጋጊጹ።

እቲ ባንክ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 86 ቶን ዝምዘን ወርቂ ሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ዝወሰደ ዝተሓላለኸ መስርሕ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ።

እዚ ኽቡር ማዕድን ሕጂ ኣብ ባንክ እንግሊዝ (Bank of England) ተዓቝቡ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ "ኣብ እዋን ቅልውላው" ብቐሊሉ ንግዲ ክካየደሉ ይጥዕም።

ፕረዚደንት እቲ ባንክ ኦላፍ ስለይፐን፡ እዚ ስጕምቲ "ተጻዋርነትናን ድሉውነትናን ንምድልዳል ኣድላዪ" ምንባሩ ገሊጹ።

እዚ ውሳነ እዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ካናዳን ቀጻሊ ንግዳዊ ምስሕሓብ ኣብ ዘለወሉን፡ ክልቲአን ሃገራት ነዚ ዝምልከት ዘካየዳኦ ዝርርባት ድሕሪ ምፍሻሉ ኣብ ልዕሊ ነንሕድሕደን ሓደስቲ ታሪፍ (ቀረጽ) ኣብ ዝኣወጃሉን እዋን እዩ።

ማእከላይ ባንክ ኔዘርላንድስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ካብ መጋቢት ክሳብ ነሓሰ ዝተኻየደ ምስግጋር፡ 27 ቶን ዝምዘን ወርቂ ካብ ኒውዮርክን ኦታዋን ናብ ከተማ ዘይስት ናይ ኔዘርላንድስ ከም ዝግዕዝ ገይሩ።

ስዒቡ ድማ ተመሳሳሊ ብዝሕን ጽሬትን ዘለዎ ወርቂ፡ ነቲ ሕጡብ ወርቂ ምምካኽ ከየድለየ ናብ ለንደን ግዒዙ።

ክንድዚ ዝኣክል ገዚፍ መጠን ወርቂ ብኸመይ ንውቅያኖስ ኣትላንቲክ ሰጊሩ ከም ዝተጓዕዘ ብልክዕ ኣይተቓልዐን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ምስግጋር ድማ፡ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝነበረ ወርቂ ብምሻጥን ኣብ ለንደን ዳግማይ ብምዕዳግን ከም ዝተፈጸመ እቲ ባንክ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ መግለጺ ባንክ፡ "ነቲ ናይ ምግዛእን ምሻጥን መስርሕ ምስ ኣካላዊ መጓዓዝያ ብምውህሃድ፡ ነቲ ምስ ክንድዚ ዝኣክል ዝተሓላለኸ ኣካላዊ ምስግጋር ወርቂ ዝተኣሳሰር ሓደጋታት ንኽቃለል ኣኽኢሉ እዩ" ይብል።

ማእከላይ ባንክ ኔዘርላንድስ ነቲ "ጂኦ-ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ" ክብል ዝጠቐሶ ብልክዕ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እኳ እንተ ዘየረጋገጸ፡ ቍጠባ ኣመሪካ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ንግዲ ጽልዋ ኣሕዲሩ ዘሎ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ኲናት፡ ኣብ ዘይርጉእ ኵነታት ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን፡ ካናዳ በቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ጽላታታ (ከም ሓጺን፡ ኣሉሚንዩም፡ ዕንጸይትን መካይንን) ዘንበረቶ ታሪፍ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ነሓሰ ብዝኣወጀቶ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 28 ቢልዮን ዶላር ካናዳ (20 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ዝግመት ኣቝሑ ካናዳ ዝተወሰኸ ናይ 50 ሚእታዊት ቀረጽ፡ ብኸቢድ ተሃስያ ኣላ።

እቲ ኣብ ባንክ እንግሊዝ ዝተዓቝበ ወርቂ ኔዘርላንድስ፡ "ኣብ ዓለም ብቐሊሉ ንግዲ ክካየደሉ ዝኽእል ወርቂ" ተባሂሉ ከም ዝግመት ማእከላይ ባንክ ኔዘርላንድስ ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ኣመሪካ ወይ ካናዳ ካብ ዝጸንሕ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ብዝያዳ ቀልጢፉ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል።

ቅድሚ ናይ ረቡዕ ኣዋጅ፡ እቲ ማእከላይ ባንክ 31.3 ሚእታዊት ካብ ወርቁ ኣብ ኒውዮርክ፡ 19.7 ሚእታዊት ድማ ኣብ ኦታዋ (ካናዳ) ሒዙ ነይሩ።

እዚ ቍጽሪ እዚ ሕጂ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ናብ 18.5 ሚእታዊት ወሪዱ ኣሎ።

ጠቕላላ ክዙን ወርቂ ኔዘርላንድስ ኣብ መወዳእታ 2025 ኣስታት 612.4 ቶን ከም ዝነበረን፡ ዋጋኡ ድማ 72.2 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝግመትን ባንክ ኔዘርላንድስ ሓቢሩ ኣሎ።

ብጽሒት ናይቲ ኣብ ለንደን ዘሎ ወርቂ ድሕሪ'ዚ ምስግጋር ካብ 18.1 ሚእታዊት ናብ 32.1 ሚእታዊት ክብ ክብል እንከሎ፡ እቲ ባንክ 30.8 ሚእታዊት ካብ ትሕዝቶኡ ድማ ገና ኣብ ውሽጢ ኔዘርላንድስ ሒዙ ይርከብ።