ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ሓዘነን ዝገለጻሉ 'ኣቦ ዘመናዊት ቐጠር' ሸኽ ሓማድ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሒ ቐጠር ዝነበረ ሸኽ ሓማድ ቢን ኻሊፋ ኣል-ታኒ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ኣሎ።
መስራቲ ዘመናዊት ቐጠር ተባሂሉ ዝውደስ ሸኽ ሓማድ፡ ካብ ኣቦኡ ስልጣን ዝተረከበ ብሰነ 1995 ነይሩ። እቲ ናይ ስልጣን ምስግጋር "ደም ዘይፈሰሶ ዕልዋ መንግስቲ" ተባሂሉ ይፍለጥ።
'ንቐጠር ዘዘምነዋ' ተባሂሉ ዝግለጽ ሸኽ ሓማድ፡ እታ ሃገር ብቝጠባ ዝበልጸገትን ማእከል ኣህጉራዊ ስሕበት ክትከውንን ኣኽኢሉ እዩ።
"ኣቦ" ብሃብቲ ነዳዲ ንዝበልጸገት ዘመናዊት ቐጠር ተባሂሉ ዝጽዋዓሉ ምኽንያት'ውን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዮታቱ እዩ።
ሎሚ ንቐጠር ዘመሓድር ዘሎ ወዱ ሸኽ ተሚም ቢን ሓማድ ኣል-ታኒ እዩ።
ቤትጽሕፈት ኣሚር ብምኽንያት ዕረፍቲ እቲ መራሒ ነበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሃገርና ዓቢ ሰብ ብምጥፋኣ ሓዚና ኣላ፡" ኢሉ ኣሎ። ኣብ ቐጠር ንመዓልታት ዝጸንሕ ሃገራዊ ሓዘን ከም ዝእወጅን ሰንደቕ ዕላማታት ትሕት ኢሎም ከም ዘውለብልቡን ተገሊጹ።
ንጉስ ቻርልስን ንግስቲ ካሚላን "ንነዊሕ ዓመታት ንቐጠር ብኽብሪ ዘገልገለ" ክብሉ ገሊጾሞ። ህንዲ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ብምእዋጅ መደባት ምዝንጋዕ ሰሪዛ ኣላ። ቀዳማይ ምኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ብወገኑ፡ "ንቐጠር ናብ ዕቤትን ብልጽግናን ዘብቅዐ ብዓል ራእይ መራሒ፡" ክብል ገሊጽዎ።
ኣስመራኸ እንታይ ኢላ?
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ዕረፍቲ ሸኽ ሓማድ ቢን ኻሊፋ ኣል-ታኒ፡ ንመንግስትን ህዝብን ቐጠር ናይ ሓዘንን ምጽንናዕን መልእኽቲ ሰዲዱ።
እቲ ብሰኑይ 13 ሓምለ 2026 ዝተላእከ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፡ ናብቲ ንሃገረ ቐጠር ዝመርሕ ዘሎ ኣሚር ሸኽ ተሚም ቢን ሓማድ ኣል-ታኒ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዕረፍቲ እቲ ዓሚር ነበር ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ንቤተሰብን ንመላእ ህዝቢ ቐጠርን ጽንዓት ተመኒዩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ 'ኤክስ' ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣሚር ቐጠር ነበር ሸኽ ሓማድ ቢን ኻሊፋ ኣል-ታኒ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ንምጥንኻር ዝተጻወቶ ኣገዳሲ ተራ ብናእዳ ከም ዝጠቐሶ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቐጠርን ዘሎ ሕውነታዊ ዝምድና ኣብ መጻኢ'ውን ሓይሉ ክቕጽል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ ኣሎ።
ሸኽ ሓማድ ቢን ኻሊፋ ኣል-ታኒ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኤርትራ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮ መራሒ እዩ።
ሓደ ካብቶም ዝዝከሩ ዲፕሎማስያዊ ስርሓቱ፡ ኣብ ግንቦት 1999 ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ኣብ ዶሓ ዝተፈረመ ናይ ሰላም ስምምዕ ክውን ንምግባር ዝገበሮ ጻዕሪ ይጥቀስ።

ምንጪ ስእሊ, MOI
እቲ ኣብ 1999 ዝተበጽሐ ስምምዕ ዶሓ፡ ክልተአን ሃገራት ንናይ ሓድሕደን ተቓወምቲ ጕጅለታት ካብ ምድጋፍ ክቝጠባን ሓባራዊ ቍጽጽር ዶብ ክገብራን ዝዓለመ ነይሩ።
ቐጠር ብመሪሕነት ሸኽ ሓማድ፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዝነበረ ናይ ዶብ ኲናት ስዒቡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኻርቱም ተፈጢሩ ንዝነበረ ምስሕሓብ ኣብ ምዕራፍ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተት ይዝከር።
ኣብቲ እዋን፡ ሰበስልጣን ሱዳን ንኤርትራ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ትድግፍ ኣላ ብዝብል ይኸሱዋ ነይሮም። ኤርትራ ብወገና ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ መሬት ኤርትራ "ክወርሩ ባይታ ኣጣጢሓትሎም፡" ክትብል ትቃወም ነይራ።
ሸኽ ሓማድ ነዚ ዝተሓላለኸ ወጥሪ ንምፍታሕን ዝምድና ክልተአን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስን ዝገበሮ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ።
ኣዲስ ኣበባ ዝሃበቶ መግለጺ
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ቐጠርን ኣፍሪቃን ሓደ ካብቶም ብልህታት መራሕቲ ስኢነን፡" ኢሉ።
ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ "ግርጭታት ክፍትሑ፡ ሰላም ክሰፍን" ኣበርክቶ ከም ዝገበረን "ንዘተ መሰረት ከም ዘንበረን" ጠቒሱ።
ሸኽ ሓማድ ንኢትዮጵያ "ፍሉይ ቈላሕታ" ይህብ ከም ዝነበረን ምስ ኢትዮጵያ ስትራተጅያዊ ምሕዝነት ንምምዕባል ይኣምን ከም ዝነበረን ኣቢይ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
እቲ መራሒ ቐጠር ነበር ብ2013 ንኢትዮጵያ በጺሑ ነይሩ። ነዚ ጕዕዞ ብምጥቃስ ኣብይ፡ "ዝምድና ክልተአን ሃገራት ዝመስረተን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን፡" ክብል ገሊጽዎ።
ዋንጫ ዓለም ናብታ 'ምድረበዳዊት ሃገር' ዘምጽአ መራሒ
ብ2022 ቐጠር ንዋንጫ ዓለም ከተሰናድእ ብምግባሩ ሸኽ ሓማድ ስሙ ይለዓል እዩ። ምስ ዋንጫ ዓለም ተኣሳሲሩ ቐጠር ዝተፈላለዩ ክስታት ገጢሞማ እዮም። እቲ ውድድር ብብዝሒ ተዓዘብቲ ካብ ቀዳሞት ዋንጫታት ዓለም ዝጥቀስ ኰይኑ፡ ቐጠር ኣአንግዲት ሃገር ኰይና ምስ ምምራጻ ዝተኣሳሰረ ክስታት ብልሽውና ቀሪቦምላ ነይሮም።
እታ ሃገር ብምዝመዛ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት እውን ተወቒሳ እያ። ስታድዩማትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ዝሃነጹ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቅሬታ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ብኻልእ ወገን ግና ዋንጫ ዓለም ናብታ 'ምድረበዳዊት ሃገር' ዘምጽአ መራሒ ተባሂሉ ተወዲሱ እዩ። ቐጠር 30,000 ስደተኛታት ዓያዮ ብምቝጻር ስታድዩማት ሃኒጻ እያ። ካብ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ባንግላደሽን ሲሪላንካን ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ከም ዝሞቱ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ቐጠር ግና እቲ ሞት ምስ ፕሮጀክትታት ዋንጫ ዓለም ዝተተሓሓዘ ኣይኰነን ብምባል ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
'ደም ዘይፈሰሶ ዕልዋ መንግስቲ'
ሸኽ ሓማድ ቢን ኻሊፋ ኣል-ታኒ ስልጣን ዝሓዘ ቅድሚ 31 ዓመት ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ቐጠር ዕቝር ነዳዲኣ እናጐደለ ከምኡ'ውን ናይ ፋይናንስ ቅልውላው ገጢምዋ ነይሩ። ኣቦኡ ሸኽ ኻሊፋ ኣብ ወጻኢ ሃገር (ስዊዘርላንድ) ከሎ እዩ እቲ 'ደም ዘይፈሰሶ ዕልዋ መንግስቲ' ተኻይዱ።
ሸኽ ሓማድ ንኣቦኡ ብተለፎን ደዊሉ ስልጣን ከም ዝሓዘ ነጊርዎም፤ እታ ሃገር ድማ ካብቲ እዋን ጀሚራ ንሓዋሩ ተለዊጣ። መሪሕነት ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ቐጠር ባህርያዊ ጋዝ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምልኣኽ ቀዳመይቲ ሃገር ኰይና።
ኣባል ኣህጉራዊ ምትሕብባራት ብምዃንን ናይ ወፍሪ ስምምዓት ብምፍራምን ድማ ቍጠባኣ ክሕይል ክኢሉ።
ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ኣህጉራውያን መራኸቢ ብዙሓን ዝዀነ 'ኣል-ጀዚራ' ዝመስረተ ብ1996 ነይሩ። እዚ ትካል ዜና ነቲ ናይ ምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሓን ትረኻ ብምውድዳር ስሙ ዘጸውዐ እዩ።
ሸኽ ሓማድ ዘጣየሶ 'ብዓልመዚ ወፍሪ ቐጠር' ኣብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘብ ብምፍሳስ ይፍለጥ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ለንደን ዝርከብ ናይ ማእከል ዕዳጋ ዘግየጹ ነገራት 'ሃሮድስ'፡ ባንኪ 'ባርክሌይስ'ን ናይ ፈረንሳ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 'ፒኤስጂ'ን ካብቶም ወፍሪ ዝተገብረሎም ትካላት ይጥቀሱ። ቐጠር ክሳዕ 1971 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ነይራ፤ ስድራቤት ኣል-ታኒ ድማ ካብ 1951 ጀሚሮም ነታ ሃገር መሪሖሞ።
'ኣቦ ዘመናዊት ቐጠር'
ሸኽ ሓማድ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ "መስራቲ (ሃንዳሲ) ዘመናዊት ቐጠር" ምዃኑ ብዙሓት ይጠቀሱ።
ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ዓመት፡ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዝነበረ ጸቕጢ ከም ዘልዓለ ይንገረሉ። ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ፡ ወፍርን ንግዲ ባህርያዊ ነዳድን ዓቢ ለውጢ ኣምጺኡ። ብቝጠባ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ፖለቲካን ማሕበራዊ ለውጥን ቐጠር እውን ስሙ ይለዓል እዩ።
ኣብቲ ንሱ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍርያት ቐጠር ልዕሊ 24 ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብ2006 ቐጠር ባህርያዊ ጋዝ ናብ ወጻኢ ብምልኣኽ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኰይና። ቐጠር ናይ መጀመርታ ቀዋሚ ሕገ-መንግስቲ ከተውጽእ ገይሩ። ብ2004 ኣብ ዝተገብረ ናይ ከባቢ መረጻ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ መረጽትን ሕጹያትን ኰይነን ክቐርባ ፈቒዱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቐጠር - ኣተዓራቒት ሃገር
ሸኽ ሓማድ ብ1952 ኣብ ዶሓ ተወሊዱ። ምሩቕ ወተደራዊ ቤት ትምህርቲ ብሪጣንያ ኰይኑ፡ ንወታደራዊ ሓይሊ ቐጠር እውን መሪሑ እዩ።
ብ1977 ምኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ኣገልጊሉ። ንወዱ ስልጣን ዘረከበ ብ2013 ነይሩ።
እዚ ድማ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብዘይተለምደ መንገዲ "ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር" ተባሂሉ ተገሊጹ። ወዱ ስልጣን ክርከብ ከሎ ዕድሚኡ 33 ዓመት ክኸውን ከሎ፡ ሸኽ ሓማድ ድማ ወዲ 61 ዓመት ነይሩ።
ሸኽ ሓማድ ንቐጠር "ኣተዓራቒት ሃገር" ብምግባር እውን ይፍለጥ፤ ግርጭት ዳርፉር ሱዳን፡ ምክፍፋል ተዋጋእቲ ሊባኖስ ከምኡ'ውን ምስሕሓብ ሓማስን ፋታሕን ኣብ ምትዕራቕ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ቐጠር ኣብ ግዝኣታ ቤትጽሕፈት ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ክኽፈት ብምፍቃድ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ጣሊባንን ዘተ ክካየድ ሓጊዛ እያ።
ቐጠር ነቲ ንሃገራት ዓረብ ዘባርዐ 'ናይ ጽድያ ሰውራ ዓረብ' ካብ ዝደገፋ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ እያ።
ሸኽ ሓማድ፡ ፕረዚደንት ሶርያ ነበር በሻር ኣል-ኣሳድ ህዝባዊ ተቓውሞ ከይተላዕለ ካብ ስልጣን ክወርድ ንምእማን ፈቲኑ ነይሩ። ኣብ ሊብያ ንሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ንምእላይ ኪዳን ሰሜን አትላንቲክ (ኔቶ) ወተሃደራት ክዋፈር ከሎ እውን ደገፍ ሂቡ እዩ።
ንቓልሲ ናጽነት ፍልስጤም ብምድጋፍ እውን ይፍለጥ፤ ኣብ ቓዛን ደቡብ ሊባኖስን ዝርከባ ከተማታት ብስሙ ተሰይመን ኣለዋ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
