ፈይስቡክን ኢንስታግራምን 'ወልፊ ብምትሓዞም' ከም ዝቕጽዑ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ

ሓንቲ ኰተቴ ሞባይል እናረኣየት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ንፈይስቡክን ኢንስታግራምን ዘመሓድር ሜታ፡ ነቲ "ወልፊ ዘትሕዝ" ኣሰራርሓ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ እንተ ዘይቀዪሩዎ ልዑል ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክወርዶ ከም ዝኽእል ሕብረት ኤውሮጳ ኣጠንቂቑ።

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዘካየዶ ቀዳማይ ደረጃ ምርመራ ከም ዘርእዮ፡ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት መወዳእታ ንዘይብሉ "ምጥማት" (scroll) ዝቐስብ ኣሰራርሓ ኣለዎም።

ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብባዕሎም ክሰርሑ ብምግባርን፡ ተጠቀምቲ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኣብቶም ገጻት ንኽጸንሑ ዝደፋፍኡ ንድሌቶም መሰረት ዝገበሩ ትሕዝቶታት ብምቕራብን ተሓተቲ ኰይኖም ኣለዉ።

እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ንቘልዑን ኰተቴታትን ወልፊ ብምትሓዝ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ሜታ ርኡይ ለውጢ እንተ ዘይገይሩ፡ ካብ ዓመታዊ ዓለማዊ መኽሰቡ 6 ሚእታዊት መቕጻዕቲ ከም ዝውሰነሉ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ።

ወሃቢ-ቓል ሜታ እቲ ባይቶ ብዝሃቦ መደምደምታ ከም ዘይሰማማዕ ንቢቢሲ ብምግላጽ፡ "ነቶም ንመንእሰያት ንምክልኻል ዝወሰድናዮም ወሰንቲ ስጕምቲታት ኣብ ግምት ኣየእተወን፡" ኢሉ።

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝበሎ፡ ብመሰረት ዘካየዶ ምርመራ መወዳእታ ዘይብሉ ትሕዝቶታት ብምልቃቕ "ኣእምሮ ብዘይ ምቍራጽ ሓበሬታ ክእክብ" ብምግባር፡ ንጥዕና ዝጐድእ ኣሰራርሓ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ሓላፊት ቴክኖሎጂ ሕብረት ኤውሮጳ ሄና ቪርኩነን "ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ኤውሮጳውያን ምክልኻል ቀዳምነት ክህቡዎ ይግባእ፡" ኢላ።

ሜታ፡ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ክሳብ ክንደይ ሓደጋ ከም ዘውርዱ ክርዳእ ከም ዘይከኣለ ድማ ገሊጻ። ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ምሸት፡ ቈልዑ ንነዊሕ ግዜ ኣብቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዘሕልፉ ጠቒሳ።

ከም ሪልስን ስቶሪስን ዝኣመሰሉ ትሕዝቶታት ድማ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ግዜ ንኸጥፍኡ ዘተባብዑ ምዃኖም ተዛሪባ። እቶም ሜታ ዘቐመጦም ናይ ድሕነት መከላኸሊ ኣሰራርሓታት እኹላት ከም ዘይኰኑ ሕብረት ኤውሮጳ ኣፍሊጡ።

ኰቴተታት ኣብቶም ገጻት ዝጸንሑዎ ግዜ ንምግዳብ ዝተዘርግሐ ኣሰራርሓ ውጽኢታዊ ከም ዘይኰነ'ውን ተገሊጹ።

ሜታ ወለዲ ቍጽጽር ንኽገብሩ ዘኽእል ኣሰራርሓ'ኳ እንተሃለዎ፡ ወለዲ ግዜን ፍልጠት ቴክኖሎጂን እንተ ዘይብሎም ከተግብሩዎ ከም ዘይክእሉ ሕብረት ኤውሮጳ ኣመልኪቱ።

ሜታ ብወገኑ፡ እቶም ናይ መንእሰያት ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት "ወለዲ ቍጽጽር ክገብሩ ዘኽእሉ" ምዃኖምን ምሸት ድማ ነቲ ኣብ ስክሪን ዝጠፍእ ግዜ ብ15 ደቓይቕ ዝገደቡ ምዃኖምን ገሊጹ።

እቲ ወሃቢ-ቓል፡ "መንእሰያት ድሕነቶም ዝተሓለወን ብጽቡቕ ተመኵሮ ዝሓልፉን ክዀኑ ከም ዘለዎም ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ንሰማማዕ ኢና። ሃናጺ ብዝዀነ መንገዲ ድማ ዘተ ክንቅጽል ኢና፡" ኢሉ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ቍጽጽር ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኸሐይሎ ካብ ኣባል ሃገራቱ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።

ዕድሚኦም ካብ 16 ዓመት ንታሕቲ ንዝዀኑ ኰተቴታት እገዳ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምግባር ዘጠቓለለ ሓያሎ ናይ ቍጽጽር ስጕምቲታት ክውሰዱ ከም ዘለዎም ዝገለጻ ሃገራት'ውን ኣለዋ።