ጽባሕ ዓውደ ዓመት ዘጨንቐና ክብደት ሰብነት ንምንካይ ዝሕግዙ ቀለልቲ ኣገባባት

ምንጪ ስእሊ, BBC Food
ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዝዀኑ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ዓቢይ ጾም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዓለ ፋሲካ (ትንሣኤ) ኣብዒሎም።
እዚ በዓል ብጸሎት፡ ስግደትን ምስ ስድራቤትን ኣዝማድን ብምርኻብን ጥራይ ኣይኮነን ዝጽምበል።
ብፍላይ ደርሆን ስጋን ብዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግቢታት እውን ዝተሰነየ እዩ።
ኰይኑ ድማ ኣብ እዋን ዓውደ ዓመት ይዅን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት፡ ክብደት ሰብነት ዘጨንቖም ሰባት ሒደት ኣይኰኑን።
ክብደት ሰብነቶም ንምጕዳል እውን ስርዓት ኣመጋግባኦም ክቕይሩን ዝያዳ ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩን ይረአዩ።
እቲ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት መዓልታት ዝርአ ድፍኢትን ጻዕርን ግን ኣብ ብዙሓት ሰባት ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኰነን።
እቲ ድፍኢት ምስ ዝስእኑ እውን፡ ነቲ ዘላቒ ዘይኰነ ሓድሽ ስርዓተ ኣመጋግባ ይገድፍዎ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ዝገደደ ሕማቕ ስምዒት የትርፋ።
ላዕለወይቲ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ኪምበርሊ ዊልሰን፡ ነገራት ካብዚ ቅሩብ ብዝተፈለየ መንገዲ ክንፍትኖም ትላቦ።
ኣብ ክንዲ ከቢድ ኣመጋግባ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ንጥዕናና፡ ስምዒትናን ጽሬት ህይወትናን ዘርብሕ ዝያዳ ዘላቒን ትርጕም ዘለዎን ምቅይያራት ክንፍትን ከም እንኽእል ትዛረብ።
ካብቶም ንሳ ምሉእ ብምሉእ እትድግፎም፡ እቶም ሽዱሽተ እነሆ።
1. ንነብስና ንራህርሃላ
ክዳን ክንክደን ወይ ኣብ መስትያት ክንጥምት እንከለና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንሓስቦም ነገራት ነስተብህል።
ንገዛእ ርእስና ርህራሀ ይስምዓና'ዶ? ወይስ "መልክዐይ ከጽልእ" ወይ "ዕውት ኣይኰንኩን" ወይ "ስለምንታይ እየ ዘይዕወት?" ዝብሉ ነገራት ኢና ንሓስብ?
ምስ ዓርክና ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምተዘራረብና'ዶ? ንዓርክና ከምኡ ዘይንብሎ እንተዄንና ስለ ምንታይ ኢና ንገዛእ ነብስና ከምኡ ኢልና እነጨንቓ?
ንነብስና ምድንዳን እቲ ዝድለ ለውጢ ደስ ዘይብልን ዘላቒ ዘይኰነን ክኸውን እዩ ዝገብር።
ብዙሕ ኣብ እንምገበሉ እዋን ናብ ፍጹማዊ ኣተሓሳስባ ኢና ነዘምብል፤ ጽዑቕ ኣመጋግባ ወይ ከቢድ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ብምኽታል ለውጢ ክንገብር ንፍትን።
እወ፡ ጽንፊ ዝሓዘ ጽዑቕ ጻዕሪ ቅልጡፍ ውጽኢት ከስዕብ ይኽእል እዩ፤ ግን ብቐጻሊ ነዚ ጻዕሪ ምትግባር ኣዝዩ ከቢድ እዩ።
ንነብስና ምቕጻዕ ንቕድሚት ክንስጕም ዝሕግዝ ኣይኰነን። ንኣካላትና ብምኽባርን ንነብስና ርህራሀ ብምርኣይን ክንጅምር ይግባእ።
2. ዓቕሊ ንግበር
መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝማዕበለ ልምድታት ንምእራም ሓጺርን ጽንኩርን ውጽኢት ኢና ንጽበ።
ስለዚ እንወስዶ ካሎሪ ምቝጻር ንጅምር፤ ጽዑቕ ኣመጋግባ ብምኽታል ቅልጡፍ ውጽኢት ክንረክብ ኣዚና ንምነ።
ኣብቲ ዘለና ክብደት ሰብነት ንምብጻሕ ግን ግዜ ወሲዱ እዩ።
ኣብዚ ዓቐን ክብደት ንኽንበጽሕ ንገለ ዓመታት ኣብ መዓልቲ ተወሳኺ ካሎሪታት ተመጊብና ኢና።
ስለዚ፡ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ በብግዚኡ ዝግበር ጻዕሪ እምበር ሓጺርን ጽንኩርን ውጽኢት ክንጽበ ኣየድልን።
በብግዚኡ እንገብሮም ንኣሽቱ ምትዕርራያት ተደሚሮም እዮም ውጽኢት ዘምጽኡ።
እዚ ድማ ውሑድ ሓይሊ እዩ ዝሓትት፤ ሓጎስና ክንስእን ኣይገብርን።
ብቐጻልነት ዝግበር ጻዕሪ ውጽኢቱ ካብቲ ብጻዕቂ ዝግበር እዩ።
ስለዚ ንነብስና ግዜ ንሃብ።
3. ግዱሳት ንዅን
ብክብደትኩምን ኣመጋግባኹምን ሕጕሳት እንተዘይኴንኩም፡ ትጽቢትኩም ምስቲ ክውንነት ዝሰማማዕ እንተዀይኑ ሕተቱ።
ምስ ነብስኹም ርትዓዊ ትዀኑ ኣለኹም'ዶ?
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትኩም እትርእይዎም ትሕዝቶታት፡ ጥዕና ወይ ብዙሕነት ብዘየንጸባርቑ መልእኽትታት ዘዕለቕለቐ ድዩ?
ምናልባት እቲ ኣገዳሲ ስጕምቲ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክኸውን ይኽእል።
እዚ ድማ ውሑድ ነብሰ ነቐፌታ ምሃብን ዝያዳ ግዱሳት ምዃንን የጠቓልል።
ስለምንታይ ኢና ብነብስና ክሳብ ክንድዚ ሕጕሳት ዘይኰንና?
ሓደ-ሓደ ግዜ ስነ-ኣእምሮኣዊ ለውጢ የድልየና እዩ።
4. ጻዕሪና ከነስተማቕረሉ እንኽእል መንገድታት ንኣልሽ
ድርኺት ቀጻሊ ለውጢ የምጽእ፤ ሓጎስ ድማ ንድርኺትና ነዳዲ ይዀኖ።
እንገብሮ ሓደ ዓይነት ምትዕርራይ ህይወትና ክኸብድ ዝግብር እንተዀይኑ፡ ክንቅጽለሉ ዘለና ዕድል ትሑት እዩ።
ስለዚ ብሓቂ እንፈትዎ ዓይነት ለውጢ ኣመጋግባ እንተገበርና ይምረጽ።
ሓደስቲ መግብታት ወይ ቀለልቲ ኣሰራርሓ ዘለዎም መግብታት ንፈትን።
ኣብ ክንዲ ዘፍርሕ ናይ ጂምናዝየም ውጥን፡ ብሓቂ ከነስተማቕሮ እንኽእል ዝተፈላለየ ንጥፈታት ንከተል።
እቲ መስርሕ ዘዕግብ እንተዀይኑ ድማ ክንቅጽሎ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ይኸውን።
እዚ ድማ ኣብ ዕላማና ንኽንበጽሕ ዝሕግዝ እዩ።
5. ንነብስና ንሕለየላ
መግብታት 'ጽቡቕ' ወይ 'ሕማቕ' ኢልና ንምምዳም ኣይንጓየ።
ኣብ ክንድኡስ፡ እንታይ ዓይነት መግብታት ንሓንጎልና ክድግፍ ከም ዝኽእል ንሕሰብ።
ንጥዕና ሓንጎልና ዝከላኸሉ መግብታት ንልብን ሓፈሻዊ ጽቡቕ ህይወትን እውን ረብሓ ኣለዎም።
ኣብ ምግቢ ከነተኩር ከለና፡ 'እንታይ ክቕንስ ኣለኒ?' ካብ ዝብል ናብ 'እንታይ ተወሳኺ ክምገብ?' ናብ ዝብል ኣተሓሳስባ ይቕየር።
መኣዛ ዘለዎም ቀመማት ምውሳኽ ብቐጻሊ ክንትግብሮ ይግባእ።
እዚ ብዛዕባ ፍጹም ምዃን ወይ ንነብስና ምቕጻዕ ኣይኰነን። መበገሲ መስመራትና ንሸፍን፡ ንሓንጎልናን ኣካላትናን ንመግብ።
እወ፡ ሕጂ'ውን ምቍር መግቢ ክንበልዕ ንኽእል ኢና፤ ደስታ ኣብ ጥዑይ ህይወት ይምርኮስ።
6. ኣብ ንኣሽቱ ለውጥታት ነተኩር
ሓደ ወይ ክልተ እንኽእሎም ለውጥታት መሪጽና ቀጻሊ ምዃኖም ንርኣዮም።
እዞም ንኣሽቱ ለውጥታት ጅግንነት ክስምዓና ዝገብሩ እኳ እንተዘይኰኑ፡ ብቐጻሊ ግን ክንትግብሮም እንኽእል እዮም።
ምሉእ ኣመጋግባና ኣብ ሓደ ለይቲ ክንልውጥ ኣይንፈትን።
ዝዀነ መግቢ ክንበልዕ ኣይንኽእልን ኢልና ምሕሳብና፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ጽልኢ እዩ ዝፈጥር። እዚ ድማ ናዕቢ የስዕብ።
የግዳስ ኣቀራርባና ርህሩህ፡ ትዕግስትን ክውንነታዊን ዝተመልኦ ይዅን።
ለውጢ ንምርካብ ቀይዲ በተኽ ውጥን ኣመጋግባ ኣየድልየናን።
ብቐጻሊ ክንክተሎ እንኽእል መስርሕ እዩ ዘድልየና።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


