ካብ ግዳም ሓደር ናብ ኣማኻሪ ቍጠባ ንምብጻሕ ዝተሓልፈ ጕዕዞ ህይወት

ፒተር ኮሞላፌ መነጸር ገይሩ፡ ጎልፎ ተኸዲኑንን

ምንጪ ስእሊ, Peter Komolafe

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ፒተር ኮሞላፌ ወዲ 18 ዓመት ከሎ፡ ካብ ናይጀርያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ንነብሱ ኵሉ ነገር ዝጠፍኣ፡ ድንግርግር ዝበላን መዕቈቢ ዘይብላን ኰይና እዩ ረኺቡዋ።

ወለዱ ዝተመነይሉ ህይወት ንምምራሕ ዘኽእሎ ሒደት ገንዘብ ሒዙ ካብ ናይጀርያ ዝተሰደደ ኰይኑ፡ ህይወቱ ዳግማይ ካብ ባዶ ክጅምር ይሕተት ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ካብቲ ገንዘብ ዘይነበረሉ ኵነታት ተበጊሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ምኽሪ ፋይናንስ ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባት፡ ከምኡ'ውን ተደላዪ ደራስን መዳርን ክኸውን በቒዑ።

ንትምህርቲ፡ ስራሕን ስድራቤቶም ንምድጋፍን ብ1979 ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝመጽኡ ናይጀርያውያን ወለዲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተወልደ ኰይኑ፡ ወለዱ ንዓኡ ዘዕቢ ብሪጣንያዊ መዕበዪ ስድራቤት ንምድላይ ኣብ ጋዜጣ ምልክታ ኣውጺኦም ነበሩ።

እዚ ብቲ እዋን ልሙድ ዝነበረ ስምምዕ ኰይኑ፡ ሓድሓደ ግዜ "ፋርሚንግ" (farming - ምዕባይ ቈልዑ ብስምምዕ) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።

ኮሞላፌ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ከሎ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እትርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተደኰነት ከተማ ሄስቲንግስ ብዝነብሩ ሳንደርስ ዝተባህሉ ጸዓዱ ሰብ ሓዳር ተወሲዱ። ኮሞላፌ "ምስ ስድራቤት ሳንደርስ ብምዕባየይ ኣዝየ ዕድለኛ እየ፡" ይብል።

እንተዀነ፡ ትምህርቲ ቀሊል ኣይነበረን። ጸዓዱ ኣብ ዝበዝሕዎ ከባቢ ጸሊም ቈልዓ ኴንካ ምንባር፡ ከም ዓሌታዊ ጸርፊ፡ ናይ ኣህባይ ድምጽን ምድንዳንን የጋጥሙዎ ከም ዝነበሩ ይሕብር። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምስ ተፈደሰ እናበኸየ ናብ ገዝኡ ይመለስ ነይሩ።

እቶም ዘዕበይዎ ወለዲ ንቤት ትምህርቲ ጥርዓን እኳ እንተ ኣቕረቡ፡ ዝተቐየረ ነገር ግን ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ፡ ዘዕበዮ ኣቦኡ ነብሱ ክከላኸል ከም ዘለዎ ምስ ነገሮ፡ ከምኡ ገይሩ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ነቲ ኵነታት ከብቅዕ ገይሩዎ፤ እቲ ወዲ ድማ ካብኡ ንደሓር ቍሊሕ እኳ ''ኣይበሉንን፡" ክብል ይዝክር።

ኮሞላፌ ኵሉ ሳዕ ኣብ እዋን ክረምቲ ናብ ሄስቲንግስ ቅድሚ ምምላሱ፡ ምስ ወለዱ ሒደት ሰሙናት የሕልፍ ነይሩ፤ ነዞም መገሻታት እዚኣቶም ድማ ኣዝዩ ይፈርሖም ነይሩ። ምኽንያቱ ነቲ ልሙድ ናብራኡ ይዘርጉዎ፡ ካብ ኣዕሩኽቱ ይፈልዩዎን ናብቲ ከም ገዛኡ ዘይስምዖ ቦታ ይወስዱዎን ስለ ዝነበሩ እዩ።

ኣብ ሓደ ክረምቲ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግን ኵሉ ነገር ተቐይሩ። ናብቶም ድሮ ናብ ናይጀርያ ተመሊሶም ዝነበሩ ወለዱ ንኽምለስ ነፋሪት ተሰቒሉ ከም ዝኸይድ ተገብረ።

እዚ ፈላማይ ጕዕዞኡ ብነፋሪት እዩ ነይሩ። ንሱ ኵሉ ሳዕ ፓይለት ክኸውን ይምነ ነይሩ፤ ነታ ዓለም ካብ ላዕሊ ኰይኑ ክርእያ ካብ ንእስነቱ ባህጊ ነበሮ፤ "ንፈለማ እዋን ኣብ ነፋሪት ብምድያበይ ጥራይ ኣዝየ ተሓጒሰ ነይረ፡" ይብል።

ዘይፈልጦ ዓዲ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሌጎስ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ወረደ፡ ብኽብ ዝበለ ድምጽን ምውጫጭን ከም ዝተቐበልዎ ይዝክር። ኣብቲ እዋን እንግሊዝኛ ጥራይ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ፡ እቲ ስድራቤቱ ዝዛረቡዎ ዝነበሩ ዩሩባ ሓንቲ ቃል እኳ ይርዳእ ኣይነበረን።

ኣደኡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢላቶ፡ ብጸላም መንገድታት ንሰዓታት እናዘወረት ናብ ሓደ ዘይፈልጦ ቦታ ወሲዳቶ።

ደቂሱ፣ ንጽባሒቱ ንግሆ፡ ክርእዩዎ ብዝመጽሑ ኣዝማድ ተኸቢቡ ነቕሐ።

ካብኣቶም ፍልይ ዝበለ ትርኢት ስለ ዝነበሮ ድማ ኵሎም ኣተኵሮ ይህቡዎ ነበሩ። ሰባት ብሪጣንያዊ ኣደማምጻኡ ንምስማዕ ክዛረብ ይሓቱዎ ነበሩ።

"ብሓቂ ኣዝዩ ዘጨንቕ እዩ ነይሩ፤ ልክዕ ከም ሓደ ዓቢ ምርኢት፡ ማእከል ስሕበት ኰይነ ነይረ። ካብ ድቃሰይ ተንሲአ ድማ፡ 'ኣበይ ድየ ዘለኹ? እዚኣቶምከ መን እዮም?' ኢለ እሓስብ ነይረ፡" ይብል።

ሓጺር እዋን ዝጸንሕ ስለ ዝመሰሎ መዓልታት ይቘጽር ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ንግሆ ተሓጒሱ ቦርሳኡ ሒዙ ናብቲ መቐበሊ ጋሻ ክፍሊ ኣትዩ፡ "መዓስ ኢና ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክንከይድ? ሰዓት ክንደይ እያ ነፋሪት?" ኢሉ ሓቲቱ። ኣደኡ ግን ስሒቓ፤ ምኻድ ክገድፎ ከም ዘለዎ ንጊራቶ።

"ተስፋ ምቝራጽ፡ ስንባደ፡ ኵቱር ቍጥዐ፣ ከምኡ'ውን ተዓጽየ ናይ ምትራፍ ስምዒት ሓዲሩኒ። ከም ወዲ ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ መጠን ግን ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን።"

ንነዊሕ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተዓጽዩ ምስ ዝዀነ ሰብ ምዝራብ ኣበየ። ብስቕታ ኣብ ዘርኣዮ ናይ ተቓውሞ ስጕምቲ ድማ ቋንቋ ዮሩባ ምዝራብ ኣበየ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንስድራቤቱ ግን ፈጺሙ ኣይነገሮምን። ብእንግሊዝኛ እንተ ዘይተዛሪቦሞ ድማ ምላሽ ኣይህብን ነይሩ።

"እዚ ኣብኡ ብምንባረይ ሕጉስ ከም ዘይነበርኩ ንምግላጽ ዝተጠቐምኩሉ ሓደ መንገዲ እዩ ነይሩ።"

እቶም ቀዳሞት ዓመታት ኣዝዮም መረርቲ እዮም ነይሮም። ፍልይ ብምባሉን ብሪጣንያዊ ኣደማምጻ ብምጥቃሙን ይቕለደሉ ነይሩ። ቀስ ብቐስ እኳ እንተ ለመዶ፡ እቲ ቦታ'ቲ ናቱ ከም ዘይኰነ ዝገልጽ ስምዒት ግን ፈጺሙ ካብኡ ኣይርሓቐን።

ኣብዚ ኵሉ ጕዕዞ፡ ኮሞላፌ ብርዕን ወረቐትን ሒዙ ኣብ ኵሉ ቦታ ይንቀሳቐስ ነይሩ። ዛንታታት ይጽሕፍ፡ ዕለታዊ መዘክር (ዳየሪ) ይሕዝ፤ ጸኒሑ ድማ ወዲ 15 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ ንትካል ዩኒሴፍ ዝኸውን ምልክታታት ይጽሕፍ ነይሩ።

"ምናልባት ነቲ ዝነበርክዎ ቦታ ስለ ዘይፈተኹዎ፡ ብዛዕባ ካልእ ቦታታት ክሓስብ ይቐለኒ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።"

እቲ ከባቢ ጽሩይ ዝስተ ማይን ኤለክትሪክን ዘይነበሮ ኰይኑ፡ መግቢ'ውን ውሑድ እዩ ነይሩ።

"ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ካብ ሕማቕ ኵነታት ክትወጽእ እንተ ደሊኻ፡ ባዕልኻ ነቲ ጸገም ክትፈትሖ ከም ዘለካ ይንገረኒ ነይሩ፡" ይብል።

ብሰማይ ዝሓልፋ ነፈርቲ እናረኣየ፡ ኣብ ሓንቲ ካብኣተን ክስቀል ከም ዘለዎ ይስምዖ ነበረ።

ሒደት ፓውንዳትን ሓደ ኣድራሻን

ፒተር ኮሞላፌ

ምንጪ ስእሊ, Peter Komolafe

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ወለዱ ኣብ ናይጀርያ ምሉእ ብምሉእ ክላመድ ከም ዘይከኣለ ተረዲኦም፡ ናብ ለንደን ክመልስዎ ገንዘብ ክዋህልሉ ጀመሩ።

ምኻዱ ሃንደበታዊ እዩ ነይሩ። ኣቦኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኽብገስ ክዳሎ ነገሮ፤ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ ግን "ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓት ክትብገስ ኢኻ፡ ቦርሳኻ ኣዳሉ፡" ክብል ነገሮ።

ኮሞላፌ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከደ። ኣብ ጁባኡ 67 ዶላር ጥራይ ሒዙ ነይሩ፤ ምስቶም ንዓሰርተ ዓመታት ዝዀነ ርክብ ዘይነበሮም፡ ኣብ ናይጀርያ ዓሰርተ ዓመት ከም ዘሕለፈ ዘይፈልጡን ዘዕብዩ ዝነበሩ ስድራቤቱን ኣድራሻ ጥራይ ሒዙ እዩ ተበጊሱ።

ወዲ 18 ዓመት ከሎ ብዛዕባ ቍጠባዊ ኵነታት ሓንቲ እኳ ይፈልጥ ኣይነበረን። እቲ ኣብ ጁባኡ ዝነበረ ገንዘብ እንታይ ክገዝኣሉ ከም ዝኽእል፡ ወይ ድማ እቶም ዘዕበዩዎ ወለዱ ኣብቲ ገዛ እንተ ዘይጸኒሖም እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን።

ኣብቲ ቈራሪ ወቕቲ ግቡእ ክዳን ከይለበሰ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂዝሮው በጽሐ፤ ብባቡር ገይሩ ናብ ሄስቲንግስ ከይዱ ድማ ማዕጾ ኳሕኵሐ። ዝመለሰሉ ግን ኣይነበረን። ኣብ ጐደና ብቝሪ እናተገርፈ ንሰለስተ ሰዓታት ኮፍ በለ፤ ኣብ መወዳእታ ኣብ ማዕዶ ዝነብር ጐረቤት ኣለለዮ።

እቶም ዘዕብይዎ ዝነበሩ ወለዱ ናብ ገዛኦም ተመልሱ። ሽዑ እፎይታ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ እቲ እፎይታ ግን ሓጺር እዩ ነይሩ።

"ብገርሀይ፡ ብውዕዉዕ ዝቕበሉኒ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ፤ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ ግን፡ ንሳቶም ንዓሰርተ ዓመታት ደሃየይ ኣይነበሮምን። ናብራኦም ቀጺሎም፡ ካልእ ቈልዓ ወሊዶም፡ ሃብታማት ስድራቤት እውን ኣይነበሩን፡" ይብል።

ንሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ምስኣቶም ጸኒሑ።

ዘዕበዮ ኣቦኡ ቍጽሪ ሃገራዊ መድሕን ክሕዝ፡ መትከሊ እግሩ ዝዀኖን ስራሕን ክረክብ ሓጊዙዎ። ዘዕበየቶ ኣደኡ ሲልቪያ እውን ዝከኣላ ሓገዘቶ።

ኮሞላፌ፡ "[ኣብ መወዳእታ] ናተይ መንገዲ ክሕዝ ከም ዘሎኒ ፈሊጠ ነይረ፡" ይብል።

ኣብ ጐደናታት ምንባር

ኣብ ድኳን ስራሕ ረኺቡ ንፈለማ እዋን ደሞዝ ክረክብ ጀሚሩ።

ምስ ሰባት ተኻርዩ ናብ ሓደ ገዛ እኳ እንተ ኣተወ፡ ገንዘብ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ግን ኣይነበሮን። ክራይ ገዛ ከይከፈለ ኵሉ ገንዘቡ ኣባኺኑዎ፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ካብ ገዛ ተሰጒጉ።

ናብቶም ዘዕበዩዎ ስድራቤት ክምለስ ሓሲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ክገብሮ ግን ኣይከኣለን። መጀመርታ እኳ እንተ ሓገዙዎ፡ ንሱ ግን ነቲ ዕድል ኣባኺኑዎ እዩ።

ብሰንኪ እዚ፡ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ጐደናታት ደቂሱ። ምሸት-መሸት፡ ምቹእ ዝዀነ ምውቕ ዝበለ ቦታ ይደሊ ነይሩ፤ "ኣዝዩ ዘድክምን ዘስካሕክሕን እዩ ነይሩ፡" ይብል።

ሓገዝ ካብ ሓደ ዘይተጸበዮ ወገን መጺኡ - ብሕማቕ ስኑ ካብ ዝፍለጥ "ኪዝ ቲዝ" ዝተሰምየ ሰብኣይ።

ኣብ ሓደ ናይ ቀዳም-ሰንበት ምሸት፡ ኪዝ ንኮሞላፌ ኣብቲ ቈራሪ እዋን ኣብ ትሕቲ ሰደቓ እናደቀሰ ከሎ ረኸቦ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ኣብ ሳሎን ክድቅስ ድማ ዕድል ሂቡዎ።

ሒደት መዓልታት ጸኒሑ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ኣብ እትርከብ ራይ እትበሃል ዓዲ ኣብ ናይ ኣደኡ ገዛ ክቕመጥ ዓደሞ፤ "በታ ምሸት እቲኣ ኣብ ጐደናታት እንተ ዘይድቅስ ነይረ፡ ንዓኡ ኣይምረኸብክዎን።"

ኮሞላፌ ነቲ ግዜ ተጠቂሙ ናብ ምርግጋእ መጺኡ፡ ድሕሪኡ ስራሕ ክደሊ ጀሚሩ። ክልተ ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቕ ተዳልይሉ፡ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ኢስትቦርን ኣብ ዝርከብ ባንኪ ኰይኑ፡ እታ ከተማ ኣስታት 30 ደቒቕ ርሕቀት ኣለዋ።

ክኸይድ ኣይደለየን ነይሩ። ኣብ ጐደናታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንምብላዕ ክብል ናይ ሓሶት ቸክ ይጥቀም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ዕዳ ነይርዎ።

ብሰንኪ እቲ ናይ ፋይናንስ ታሪኹ ነቲ ስራሕ ከይስእኖ ብምስጋእ ናብቲ ቃለመጠይቕ ክኸይድ ኣይደለየን። እንተዀነ፡ እንተ ዘይከይዱ እቲ መንግስታዊ ደገፍ ከም ዝቋረጽ ተነጊሩዎ።

"በዚ ኰነ በቲ ኣይረኽቦን እየ" ኢሉ ብምሕሳብ፡ ካውቦይ ስረን ሌዘር ጃኬትን ጥራይ ለቢሱ ቀረበ።

እታ ቃለመጠይቕ ዝገበረትሉ ሰብ ግን ናይ ባንኪ ተቐባሊ ገንዘብ (ካሸር) ክኸውን ከም ዝኽእል ነጊራቶ። ኮሞላፌ፡ "ኣብ ውሽጠይ ዘይረኣኽዎ ነገር ክትርኢ ክኢላ፡" ይብል።

መቐይሮ ህይወት

ፒተር ኮሞላፌ ባድላ ተኸዲኑ እናመደረ

ምንጪ ስእሊ, Peter Komolafe

ብዘይተጸበዮ መንገዲ፡ ኮሞላፌ ንዝስዕብ ህይወቱ መንገዲ ዝጸርግን ኣብቲ ሞያ ፍቕሪ ዘትሕዞን ኣንፈት ሓዘ።

"ብዘገርም መንገዲ፡ 'ገንዘብካ ከመይ ገይሩ ክዓቢ ከም ዝኽእል' ዝገልጹ ነገራት ንሰባት ኣብ ምብራህ ኣዝየ ንፉዕ ነይረ፡" ይብል።

ቀዳማይ መንፈቕ ናይቲ ዓመት ምስ በጽሐ፡ ኣብቲ ባንኪ ምስ ዓማዊል ብቐጥታ ብምርኻብ ኣብ ኣገልግሎታትን ፍርያትን ክሰርሕ ተመዲቡ። ካብኡ ጀሚሩ ናይ ስራሕ ዕብየቱ እናቐልጠፈ ከይዱ፡ ናብ ዝዓበዩ ባንክታት ብምስግጋር ኣብ ምሕዝነት ርክብን ልምዓት ንግድን ክሰርሕ ጀሚሩ።

ኣብ ሓደ ኣጋጥሚ ናብ ሓደ ፈታዊኡ ክበጽሕ ናብ ካናሪ ዋርፍ ዝበሃል ከባቢ ከደ። እዚ ቦታ ኣብ ለንደን ማእከል ፋይናንስን ዓበይቲ ባንክታት ዓለም ዝርከባሉን እዩ።

"ኣብኡ ክትሰርሕ እንተ ክኢልካ፡ ተዓዊትካ ኢኻ" ዝበሃለሉ ቦታ ምዃኑ ኮሞላፌ ይገልጽ። ኣብ ሞንጎ እቶም ነዋሕቲ ህንጻታት እናተመላለሰ ከሎ፡ "ሓደ መዓልቲ ኣብዚ ክሰርሕ እየ፡" እናበለ ንነብሱ ይነግራ ነይሩ።

ኣብ 2012 ድማ ኣብኡ በጺሑ፤ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዝበሃሉ ናይ መድሕንን ፋይናንስን ትካላት ናይ ስራሕ ዕድል ኣቕሪብሉ፡ ኣብቲ ብቝመቱ ዝልለ "ዋን ካናዳ ስኴር" ዝተሰምየ ህንጻ ኣብ መበል 50 ደብሪ ናይ ስራሕ ክፍሊ ረኺቡ።

ኮሞላፌ ክገልጽ ከሎ፡ "እዚ ንዓይ ዓቢ ምኽፋት በሪ እዩ ነይሩ። ኣዝየ ዝፈትዋ ፊልም 'ዘ ፐርሱት ኦፍ ሃፒነስ' እያ፤ እቲ ናብ ካናሪ ዋርፍ ዝገበርክዎ ጕዕዞ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብታ ፊልም ዘሎ ሓጐስ ንምድላይ ግዜ ህጽጽ እዋን እዩ ነይሩ፡" ይብል።

ካብ ጐደናታት ምድቃስ ተበጊስካ፡ ብዘይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ናብ መበል 50 ደብሪ ናይ ዓቢ ህንጻ ምብጻሕ፡ ንምግላጹ ዘጸግሞ እዩ። "ነዚ ኵነታት'ዚ ንዘይሓለፎ ሰብ ክትገልጸሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።"

ወሲኹ ድማ፡ "ኣብ ጐደናታት ኰይነ ነቶም ኣብ ማሙቕ ገዛውቶም ዘለዉ ሰባት ክጥምት ከለኹ፡ 'ኣብኡ እንተ ዝህሉ ክንደይ ሰናይ ምዀነ፡" ኢለ እሓስብ ነይረ፡" ይብል።