ኢጣልያ፡ ብበጻሕቲ ፍረ-ነብሱ ዝፈረሰ ምስሊ ብዕራይ ትጽግን ኣላ
![ስነ-ጥበባዊ ጂያንሉካ ጋሊ ነቲ ሓወልቲ እናጸገኖ እንከሎ [27 ግንቦት 2026]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/f234/live/0a67b100-5aee-11f1-8b8c-6d33e1d5abb6.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Pier Marco Tacca via Getty Images
ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሚላን ሓደ ነዊሕ ዝገበረ ኣብ ባይታ ብማቶኒ ዝተሰርሐ 'ሞዛይኮ' ምስሊ ብዕራይ ኣሎ።
ፍረ-ነብሲ እዚ ብዕራይ ብጫማኻ ምርጋጽ 'ጽቡቕ ዕድል ንኸጓንፈካ ይሕግዝ እዩ' ዝብል ባህላዊ እምነት ስለዘሎ ከኣ፡ ደቀንስትዮ ይዅና ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ብዕራይ ፍረ-ነብሱ ከይረገጽዎ ኣይሓልፉን'ዮም።
ምርጋጽ ጥራይ ዘይኮነ ኸኣ ጫማኻ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣካሉ ብምግባር ሰለስተ ግዜ ከትኮለል ኣለካ።
ብተደጋጋገሚ ብብዙሓት ሰባት ስለዝተረገጸ ከኣ እቲ ኣብ ባይታ ዝተሰርሐ ሞዛይክ ኣብ ከባቢ ፍረ-ነብሱ ክፈራርስ ጀሚሩ።
ኣባላት ባይቶ እታ ከተማ "መዓልታዊ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ እዚ ኣካል እቲ ብዕራይ ብጫማኦም ስለዝድህጹ እቲ ንፍረ-ነብሱ ዘቘመ ማቶኒ ተቐላሊጡ'ዩ" ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ሞዛይክ ኣብታ ቀደም ከተማ ቱሪን ትብሃል ዝነበረተን ቀዳመይቲ ርእሰ ከተማ ኢጣልያን ዝነበረት፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመነ ኣብ ውሽጢ ጋላርያ ቪቶርዮ ኢማኑወል ካልኣዊ'ዩ ዝርከብ።
ባይቶ ከተማ ሚላን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምጽጋን እቲ ምስሊ ኣብዚ ሰሙን ከም ዝተጀመረን ሰብ ብእኡ ከይሓልፍ መኸልከሊ ተገይርዎ ከምዘሎን ኣብሪሁ። እቲ ዕላማ ከኣ ነዚ ዝና ዘለዎ ሓወልቲ ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ንምምላስ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ነቲ ሓወልቲ ናብቲ ዝነበሮ መልክዕ ክመልሶ ሓላፍነት ተዋሂበዎ ዘሎ ስነጥበባዊ ጂያንሉካ ጋሊ ኰይኑ፡ ነቲ ሓወልቲ ንኣሽቱ ኣእማን ቆራሪጹ እናጸገኖ እንከሎ ሰብ ዕጉግ ኢሉ ክዕዘቦ ይውዕል ኣሎ።
ጂያንሉካ ጋሊ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፍረ ነብሲ እዚ ምስሊ እግርኻ ረጊጽካ ዕንክሊል ምባል ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ብተቐማጦ ሚላን ኣዝዩ ግኑን ኰይኑ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ "ምናልባት እቲ ልምዲ ኣዝዩ መስሓቕ ዝኾነ ምንቅስቓስ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ነዚ ታሪኻዊ ስራሕ ግን ኣዕንይዎ'ዩ" ኢሉ።
ኣባላት ባይቶ ከተማ ሚላን ኢማንወል ኮንተን ማርኮ ግራነሊን፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ 2017'ውን ተመሳሳሊ ጽገና ተገይሩሉ ምንባሩ ገሊጾም።
እዞም ኣባላት ባይቶ "እዚ ሓወልቲ ህያው ቅርሲ'ዩ፣ ብሰባት ስለዝፍቶ'ዩ ዝኣርግን ዝበላሾን ዘሎ፣ ብሰብ ስለዝተፈተወ ኢና ከምኡ ኢሉ ክቅጽል ብምባል ንከናኸኖ ዘለና" ኢሎም።
![ስነ ጥበባዊ ጂያንሉካ ጋሊ ነቲ ሓወልቲ ኣብ ዝጽግነሉ ዝነበረ እዋን ሓያለ ሰባት ዕጉግ ኢሎም ይዕዘብዎ ነይሮም [28 ግንቦት 2026]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/edc1/live/03e67ef0-5af9-11f1-8b8c-6d33e1d5abb6.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Stefano Rellandini/AFP via Getty Images












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


