ምርጫ ቢቢሲ፡ ኣብ ታሪኽ ፕሪምየር ሊግ ንውድድራት ዝቐየሩ 10 ብሉጻት ምስግጋር ተጻወትቲ

እቲ ዘይዓርፍ ወረታት ምስግጋር ተጻወትቲ ንግዝየኡ ዓሪፉ፡ እቲ "ሂር ዊ ጎ" ዝብል ጭርሖ ኣይክስማዕን እዩ።
ማዕጾ ምስግጋር ተጻወትቲ ድማ ብዕሊ ተዓጽዩ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ እቲ ዘተ ብዛዕባ ቍጠባዊ ሚዛን ክለባትን ዋጋ ሚልዮናት ፓውንድታትን ዘይኰነስ፡ እቶም ሓደስቲ ፈረምቲ ኣብ ሜዳ ዘርእይዎ ብቕዓት ዝምዘነሉ ግዜ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ፕሪምየር ሊግ፡ ሓያሎ ክለባት ተጻወትቲ ዓዲገን ኣለዋ፤ ገሊኦም ዓቢ ዓወት ክሓፍሱ ከለዉ፡ ገሊኦም ግን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኰይኖም ኣይተረኽቡን።
ንሎሚ ግን፡ ነቶም ንክለባቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ኣንፈት እቲ ውድድር ዝቐየሩ 10 መቐይሮ ዝዀኑ ምስግጋራት ክንርኢ ኢና።
10. ፒተር ቼክ - ካብ ረነስ ናብ ቸልሲ (7 ሚልዮን ፓውንድ፡ 2004)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሮማን ኣብርሃሞቪች ንቸልሲ ምስ ዓደጋ፡ ብዙሓት ተጻወትቲ ናብታ ጋንታ እኳ እንተ ተጸንበሩ፡ ፒተር ቼክ ግን ንተኸታታሊ ዓመታት ዋንጫታት ንኽዓትሩ ዓንዲ ኰይኑ እዩ ኣገልጊሉ።
ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ኣብ 24 ጸወታታት ሸቶ ከይተመዝገቦ ብምውጻእ ዘገርም ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።
ንሱ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ን11 ዓመታት ብምጽናሕ፡ ኣርባዕተ ዋንጫታት ፕሪምየር ሊግን ሓደ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳን ተዓዊቱ።
9. ኣላን ሺረር - ካብ ሳውዝሃምፕተን ናብ ብላክበርን (3.6 ሚልዮን ፓውንድ፡ 1992)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብላክበርን ሮቨርስ ናብ ፕሪምየር ሊግ ምስ ደየበት፡ ንኣጥቃዓይ ኣላን ሺረር ክብረ-ወሰን ብዝሰበረ ዋጋ ንኽትዕድጎ ዓቢ ስጕምቲ ወሲዳ።
ሺረር ኣብታ ክለብ ብዘርኣዮ ታሪኻዊ ብቕዓት፡ ብላክበርን ድሕሪ 81 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ንኽትዓትር (1994-95) ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።
8. ካርሎስ ቴቨዝ - ካብ ኮሪንቲያንስ ናብ ዌስትሃም (2006)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዌስትሃም ካብ ፕሪምየር ሊግ ንኸይትወርድ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ካርሎስ ቴቨዝ ዘርኣዮ ብቕዓትን ተወፋይነትን ተኣምራዊ ነይሩ።
ኣብቶም ናይ መወዳእታ 11 ጸወታታት 7 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ንዌስትሃም ካብ ሓደጋ ምውራድ ኣድሒንዋ።
እዚ ዝውውር'ዚ ዋላ'ኳ ሕጋዊ ምስሕሓብ እንተ ፈጠረ፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ግን ንታሪኽ እታ ክለብ ዘድሓነ ነይሩ።
7. ሮቢንዮ - ካብ ሪያል ማድሪድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ (32.5 ሚልዮን ፓውንድ፡ 2008)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሮቢንዮ ኣብ ሲቲ ዝጸንሓሉ ግዜ ባዕሉ ብዙሕ ዓወት እኳ እንተ ዘይኣምጽአ፡ ዝውውሩ ግን ንመጻኢ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ዝቐየረ ምልክት ነይሩ።
ማንቸስተር ሲቲ ብናይ ኣቡ ዳቢ ጕጅለ ኣብ ዝተዓደገትሉ ዕለት፡ ንሮቢንዮ ካብ ኣፍ ቸልሲ መንዚዓ ምፍራማ፡ ዓበይቲ ተጻወትቲ ናብታ ክለብ ንኽውሕዙ መንገዲ ዝጸረገን ማንቸስተር ሲቲ ናብ ዓባይ ጋንታ ንኽትቅየር ዘበገሰን እዩ።
6. ቨርጅል ቫን ዳይክ - ካብ ሳውዝሃምፕተን ናብ ሊቨርፑል (75 ሚልዮን ፓውንድ፡ 2018)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሊቨርፑል ንቨርጅል ቫን ዳይክ ብኽቡር ዋጋ ክትዕድጎ ከላ ብዙሓት ተጠራጢሮም ነይሮም።
እንተዀነ፡ እዚ ሆላንዳዊ ተኸላኻላይ ንሓይሊ ምክልኻል እታ ክለብ ብምቕያር፡ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመት ዋንጫ ፕሪምየር ሊግን ዋንጫ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ንኽትዓትርን ዘይትካእ ግደ ነይሩዎ።
5. ሮቢን ቫን ፐርሲ - ካብ ኣርሰናል ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ (22.5 ሚልዮን ፓውንድ፡ 2012)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ቅድሚ ምስንባቱ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ዳግማይ ንምጭባጥ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንቫን ፐርሲ ካብ ኣርሰናል ምፍራም ነይሩ።
ቫን ፐርሲ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓመት ፈርጉሰን 26 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ መበል 20 ዋንጫኣ ንኽትዓትርን ካብ ጐረቤታ ሲቲ ነቲ ክብሪ ንኽትምንዝዕን ተዋሲኡ።
4. ሶል ካምፕበል - ካብ ቶተንሃም ናብ ኣርሰናል (ብናጻ፡ 2001)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካፕተን ቶተንሃም ዝነበረ ሶል ካምፕበል፡ ናብታ ቀንዲ መናሓንሕቶም ዝዀነት ኣርሰናል ብናጻ ዝውውር ምኻዱ ንመላእ ሰሜን ለንደን ዘሰንበደ ፍጻመ ነይሩ።
ካምፕበል ዓንዲ-ሕቖ ምክልኻል ኣርሰናል ኰይኑ፡ እታ ክለብ ዋንጫታት ንኽትዓትርን ብፍላይ ድማ ብዘይ ተሰዓርነት (Invincibles) ታሪኽ ንኽትሰርሕን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
3. ንጎሎ ካንተ - ካብ ካን ናብ ሌስተር ሲቲ (5.6 ሚልዮን ፓውንድ፡ 2015)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካንቴ ቅድሚ ናብ ሌስተር ምምጽኡ ብዙሕ ዝፍለጥ ተጻዋታይ ኣይነበረን።
እንተዀነ፡ ኣብቲ ሌስተር ሲቲ ንዓለም ዘገረመትሉ ናይ ዋንጫ ጕዕዞ፡ ካንተ እቲ 'ሞተር' ማእከል ሜዳ ነይሩ።
ንሱ ዘርኣዮ ተመኵሮን ዘይሕለል ጕልበትን፡ እታ ንእሽቶ ክለብ ንዓበይቲ ስዒራ ዋንጫ ንኽትዓትር መሰረት ኰይኑ።
2. ሰርጆ ኣግዌሮ - ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ (35 ሚልዮን ፓውንድ፡ 2011)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣግዌሮ ናብ ሲቲ ምስ መጽአ፡ ሚዛን ሓይሊ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተቐይሩ እዩ።
እታ ክለብ ካብ 1968 ጀሚራ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ስኢና ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ካልኢት ዘመዝገባ ሸቶ ንሲቲ ሻምፕዮን ገይርዋ።
ኣብታ ክለብ 260 ሸቶታት ብምምዝጋብ ድማ ናይ ወትሩ ብሉጽ ኣጥቃዓይ ኰይኑ ተሰናቢቱ።
1. ኤሪክ ካንቶና - ካብ ሊድስ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ (1.6 ሚልዮን ፓውንድ፡ 1992)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ታሪኽ ፕሪምየር ሊግ ከም ናይ ኤሪክ ካንቶና ዝኣመሰለ ዓቢ ጽልዋ ዝፈጠረ ዝውውር የሎን።
ማንቸስተር ዩናይትድ ን26 ዓመታት ዋንጫ ስኢና ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ካንቶና ምስ መጽአ ኵሉ ነገር ተቐይሩ።
ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ኣርባዕተ ዋንጫታት ብምዕታር፡ ነቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝደፍኣቶ ዘውዲ ዓወት መሰረት ኣንቢሩ እዩ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


